ኤርትራ ምስ ኣአንጋዲት ኡጋንዳ፣ ዋንጫ ሴካፋ መን ወሰደ ክትገጥ’ያ

Radio Erena: 18 December 2019

ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ሴካፋ፣ ዓወታት ክሰልጣ ዝቐነየ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ጽባሕ 19 ታሕሳስ ምስ ኣአንጋዲት ሃገር ናይ ዋንጫ ግጥም ከተካይድ’ያ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ፣ ነታ ዓሚ ጎብለል ዝነበረት ኬንያ ብገፊሕ 4 ብ1 ብምስዓር’ያ ናብ ናይ መወዳእታ ግጥም ሓሊፋ ዘላ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ድሕሪ 20 ዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ተሰሮዑላ ዝነበረ ግጥም፣ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ዝነበሩ እኳ እንተኾነ፣ ኢትዮጵያ ካብቲ ዞባዊ ግጥም ድሕሪ ምስሓባ፣ እቲ ጉጅለ ዳግመ ምድልዳል ብምክያድ ምስ ብሩንዲ ጅቡቲን ሶማልን ከምእትራኸብ ኮይኑ።
ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ ዛጊት ኣብ ዘካየደቶ ኣርባዕተ ግጥማት ምስ ብሩንዲ ማዕረ፣ ንጅቡቲ 3 ብ 0 ምስ ሶማል ድማ ማዕረ ድሕሪ ምፍልላያ፣ ብ1ት ታሕሳስ ድማን ኬንያ 4 ብ1 ኣፋንያታ።

ኣብ መዛዚሚ ድማ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምሉእ ፍናን ተሓንጊጣ፣ ጽባሕ ምስ ኡጋንዳ ክትራኸብ’ያ።

እዚ ኤርትራ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ፣ ምስቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጠማ ህድማ ተጻወትን ንሓያሎ ዓመታት ካብ ዞባዊ ግጥማት ምንጻላን፣ ኣዝዩ ዝንኣድ ውጽኢት’ዩ።

ስእሊ፣- ካፍ ኦንላይን
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ደበሳይ 4 years ago

    ምስ ብሩንዲ ማዕረ ዘይኮነስ ኤርትራ አያ 1 ብ 0 ሰዒራታ።