ኤርትራ መሃይምነት ኣብ ምጥፋእ ዕውቱ ስራሕ ካብ ዘካየዳ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ’ያ ተባሂላ

ኤርትራ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት ዕዉት ንጥፈታት ካብ ዘካየዳ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ’ያ ተባሂላ።

ብመሰረት ዝተፈላለያ ትካላት ትምህርቲ ዘቕርብኦ ዘለዋ መጽናዕታት ኣስታት 75 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ምንባብን ምጽሓፍን ዝኽእል መሰረታዊ መሃይምነት ዘጥፈአ’ዩ።

ንዝተፈላለየ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብምውካስ ኣብ ዊኪፒድያ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ከምዘረጋግጾ’ውን፣ ካብ 15 ዓመት ዕድመ ንላዕሊ ዘለዎውም 69 ሚእታዊት ካብ ደቂ ተባዕትዮ 80 ሚእታዊት ድማ ካብ ደቂንስትዮን ኤርትራ መሰረታዊ መሃይምነት ዘጥፍኡ’ዮም።

በዚ መምዘኒ’ዚ ኤርትራ ንጎረባብታ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጅቡትን በሊጻ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ምጥፋእ መሃይምነት ከምእትርከብ’ውን ጸብጻብ ዊኪፒድያ የነጽር።

ኤርትራ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት ካብ ዝተዓወተትሉ ኣውራ ምኽንያት፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማእቶታውን ወትሃደራዊ ንጥፈታት ዝወፍር ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ንትምህርቲ ዝተኻየደሉ ጎስጓስ ምዃኑ ይንገር።

በንጻር እዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ደረጃን ብቕዓትን ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርቲ እናቖልቖለ ይመጽእ ከምዘሎ ይጥቐስ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0