ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝወሓደ በጻሕቲ ሃገር ዘእንግዳ ሃገራት ዓለም ምዃና ተገሊጹ

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝወሓደ በጻሕቲ ሃገር ዘእንግዳ ሃገራት ዓለም ምዃና ተገሊጹ

Radio Erena: 05 August, 2014

Asmara Airport

ፈረንሳ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሑ በጻሕቲ ማለት ቱሪስት እተእንግድ ሃገር ክትከውን እንከላ፣ ሶማልያ ድማ በንጻሩ እታ ዝወሓደ በጻሕቲ ንዑደት ዝመርጹዋ ሃገር ምዃና ቱሪስት ጆኡርናል ኣፍሊጡ።

ኣብ ፈረንሳ ዓመታዊ ኣስታት 80 ሚልዮን በጻሕቲ ሃገር ዑደት ንምክያድ ናብታ ሃገር ክኣትዉ እንከለዉ፣ እዚ ቁጽሪ’ዚ ንፈረንሳ ብበጻሕቲ ሃገር ተሃራፊት ሃገር ከምእትብሃል ጌሩዋ ኣሎ።

ፈረንሳ ካብዞም በጻሕቲ ሃገር እትረኽቦ እቶት 7 ሚእታዊት ናይ ዓመታዊ ሓፈሻዊ እቶታት ይሽፍን።

 

ንፈረንሳ ስዒበን ብበጻሕቲ ሃገር ተሃረፍቲ ተባሂለን ተሰሪዐን ዘለዋ ሓሙሽተ ሃገራት ድማ ኣመሪካ፣ ቻይና፣ ስጳኛን ኢጣልያን’የን።

ኣብ ኣፍሪቃ ብበጻሕቲ ሃገር ተመረጽቲ ሓሙሽተ ሃገራት ሞሮኮ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ታንዛንያ፣ ዚምባብዌን ክኾና እንከለዋ፣ ከም ሶማልን ኤርትራን ድማ በንጻሩ ዝወሓደ በጻሕቲ ዘእንግዳ ሃገራት’የን።

ከም ቲቫሉ፣ ናሩን ደሴታት ሰሎሞን ዝኣመሰላ ኣብ ሰለማዊ ውቕያኖስ ዝርከባ ንኣሽቶ ደሴተ-ሃገራት ብሰንኪ ራሕቒ እተን በጻሕቲ ብብዝሒ ዘየዘውትሩወን ክኾኑ እንከለዉ፣ ከም ሶማል፣ ቻድን ኣፍጋኒስታንን ድማ ኣብተን ሃገራት ብሰንኪ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ኣብዚ እዋን’ዚ ብበጻሕቲ ሃገር ተመረጽቲ ኣይኮናን።

እተን ብሰንኪ ዕጹው ባህርያት መንግስታተንን ናይ በጻሕቲ ሃገር ቪዛ ንምርካብ ዘለወን ጸገማትን በጻሕቲ ዘይመርጽወን ሃገራት ኤርትራ፣ ሰሜን ኮርያን ቱርኪመኒስታን ብቀዳምነት’የ ዝጥቐሳ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0