ኤርትራ፣ 25 ስደተኛታት ሶማልን ኢትዮጵያን ናብ ኣመሪካ ተጣይሶም

ኤርትራ፣ 25 ስደተኛታት ሶማልን ኢትዮጵያን ናብ ኣመሪካ ተጣይሶም

Radio Erena: 19 December 2017

Somali Refugees in Eritrea

ኣብ ኤርትራ ተዓቝቦም ዝጸንሑ 25 ስደተኛታት ሶማልን ኢትዮጵያን ናብ ኣመሪካ ከምዝተጣየሱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ብሮቡዕ 13 ታሕሳስ፣ ብመንገዲ ኣየር ግብጺ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝተበገሱ 25 ስደተኛታት፣ ጉዳዮም ኣብ ኤርትራ ብዝርከብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት – UNHCR ተታሒዙ ዝጸንሐ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ከባቢ ባጽዕ ኣብ ዝርከብ እምኩሉ ዝተባህለ ቦታ፣ ልዕሊ 10 ዓመታት ዝገበሩ ልዕሊ 2 ሽሕ ሶማላውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ሳሕቲ ብUNHCR ኣብ ዝውደብ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምጥያስ ዕድል ከምዝረኽቡ ኣፍሊጦም።

 ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት’ውን ተመሳሳሊ ብዝሒ ኢትዮጵያን ስደተኛታት ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ይጠቕሱ።

ምስ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ “ኣይንጽንበርን” ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ኤርትራ፣ ናብ ከባቢ ኣፍዓበት ኣብ ዝርከብ ፍሉይከምዝውሰዱ ይፍለጥ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0