“ኤርትራ፣ 1.2 ሚልዮን ቆልዑ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ይሳቐዩ፣” UNICEF

Radio Erena: 11 January 2016

Unicef

ኣብ ኤርትራ 1.2 ሚልዮን ቆልዑ፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ከምዝሳቐዩ ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት -UNICEF ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ካብ 2015 ኣኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ዝተኸስተ ዞባዊ ደርቂ ኤል-ኒኖ፣ ን80 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝጸለወ ብምጥቃስ፣ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ዝተራእየ ሸሮኽ’ውን ነቲ ኩነታት ከምዘጋደዶ ኣረዲኡ።

ብዋሕዲ መሰረታዊ መግብን መኣዛዊ መግቢ ቆልዑን ብዝያዳ ዝተጠቕዐ ዞባታት ኤርትራ፣ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዓንሰባን ጋሽ ባርካን ምዃኑ ዘተሓሳሰበ UNICEF፣ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ናይቲ በቲ ኩነታት ዝተጸልወ ኣስታት 2 ሚልዮን ህዝቢ ፣ እቶም 60 ሚእታዊት ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ብመሰረት UNICEF ኣብ 2017 ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እቲ ትካል ኣብ ኤርትራ ህጹር ናይ መግቢ ረድኤትን መኣዛዊ መግቢ ን ዘድልዮምን ቆልዑን ዝውዕል 16 ሚልዮን ዶላር ካብ ለገስቲ እኳ እንተሓተተ፣ ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ዝነበረ ግዜ 7.8 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ከምዝረኸበ’ዩ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ኣብ ዓመተ 2017፣ ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝን መኣዛዊ መግብታትን ዘድልዮም ንኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ቆልዑ ንምብጻሕ መደብ ከምዘለዎ እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣካል ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ሳላ ዝነበረ ጽቡቕ ክራማት ኣብዚ ዓመት እዚ እኹል ምህርቲ ከምዝተሓፍሰ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ UNICEF ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ቆልዑ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤትን መኣዛዊ መግብታትን ከምዘድልዮም ዘመልክት ዘሎ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ትሑት ደረጃ ምዕባለን ድኽነት ዝርከባ ቀዳሞት ሰለስተ ሃገራት ዓለም ምዃና ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር ኣቐዲሙ ገሊጹ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ ኣንከሎ፣ ወኪል ክፍሊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሕቡርራት ሃገራት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ዲሚትሪ ሻላፓቸንኮ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ምስ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ንምዝርራብን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኩነታት ንምዕዛብን ብሰሉስ 10 ጥሪ ኣስመራ ኣትዩ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0