ኤርትራ፣ ጽዑቕ ኣኼባታት ሰራዊት ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 21 July 2021

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝርከባ ኣሃዱታት ሰራዊት፣ ጽዑቕ ኣኼባታት ኣብ ምክያድ ከምዘለዋ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ 12 ሓምለ፣ ኣብ ተሰነይ ኣብ ዝተኻየደ፣ ኣኼባ ማእከሎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ህሉው ኣቃውማ ሰራዊት ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ቲ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ዘሚትዎ ዝተባህለ ናይ ህዝቢ ንብረት፣ ተኽእሎታት ምምላስ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ውሽጢ ትግራይን ህሉው ወትሃደራዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዝገምገመ ምንባሩ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ኣብ ካልእ ከባቢታት ዝርከባ ኣሃዱታት’ውን ተመሳሳሊ ኣኼባታት የካይዳ ከምዘለዋ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
====================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0