ኤርትራ፣ ወፍሪን ንግድን ክካየደለን ካብ ዘይምችኣ ሃገራት ተባሂላ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ

Radio Erena: 07 November 2019

ኤርትራ፣ ወፍሪ ክካየደለን ካብ ዘይምችኣ ሃገራት ተባሂላ፣ ንሶማል ጥራይ ቀዲማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ።

ባንክ ዓለም፣ ኣብቲ Doing Business 2020 ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ፣ ንመጽናዕቲ ዝሓጸየን 190 ሃገራት’የን።

ኒውዝላንድን ሲንጋፖርን እተን ንወፍሪን ንግድን ዝመችኣ ሃገራት ተባሂለን ቀዳመይትን ካልኣይትን ክኾና እንከለዋ፣ ብኣንጻሩ ኣብ ድሕሪት፣ ኣብ መበል 189 ከምኡ ድማ 190 ተሰሪዐን ዝርከባ ድማ ኤርትራን ሶማልን’የን።

ኤርትራ፣ ብደረጃ ዓለምን ኣፍሪቃን፣ ነታ ርጉእ ማእከላይ መንግስቲ ዘይብላ ሶማል ጥራይ ቀዲማ፣ ንወፍሪን ንግድን ዘይትምችእ ሃገር ክትብሃል እንከላ፣ ኣብዛ ኣህጉር ንንግዲ ዝመችኣ ሃገራት ሞሪሸስን ርዋንዳን ተረቑሐን ኣለዋ።

ኣብዚ መጽናዕቲ ኣብ ግምት ካብ ዝኣተወ 12 ነጥብታት፣ ብቑዕ፣ ግሉጽን ተሓታትን ምሕደራ መንግስቲ፣ ናይ ወፍርን ቁጠባን ፖሊሲ፣ ፍቓድ ንግዲ ወይ ወፍሪ ንምውናን ዝሕለፍ ምምሕዳራዊ መሰናኽላት፣ ውሑስን ስሉጥን ኣጠቓቕማ ባንክን ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ናይ ባንክ ካርድ (ክረዲት ካርድ)ን ይርከቦ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ዕደና ዝካየድ ዓበይቲ ናይ ወጻኢ ወፍርታት፣ ኣብ ካልእ ጽላታት፣ ንዘቤታውያን ይኹን ኣህጉራውያን ኣውፈርቲ ዘተባብዕ ፖሊሲ ከምዘየለ ይጠቅስ።

ብሰንኩ ድማ፣ ኣይኮነን ዶ ናይ ወጻኢ ወፍርታት ናብ ኤርትራ ክኣትዉ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ’ውን ናብ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኣንጎላ፣ ርዋንዳን ካልኦት ሃገራትን ክስደዱ ተገዲዶም’ዮም።

===================

ርእይቶ

WORDPRESS: 0