ኤርትራ፣ ክትንበብ ዕድል ዘይረኸበት መጽሓፍ

ኤርትራ፣ ክትንበብ ዕድል ዘይረኸበት መጽሓፍ

Radio Erena: 31 October, 2014 

Books on Eritrea    

       ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ሽጋራን ማስቲካን ዝሸጡ ቆልዑ ያን፣ እቲ ሰማያዊ ሰብ ዘርእስታ መጽሓፍ ይሸጡ ኣለዉ ዝብል ወረ ንኣባላት ስለያ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፍሉይ ተልእኾ ከምዝጽመዱ ዝገበሮም እዋን’ዩ። እታ መጽሓፍ ኣቐዲማ ዝተዘርግሐት ብምዃና፣ ግዱሳት እናተቐባበሉ ከንብብዋ ምኽኣሎም፣ ወረ እታ መጽሓፍ ድሮ ካብ እዝኒ ናብ እዝኒ ሓያሎ ሰባት ክበጽሕ ግዜ ኣይወሰደን። ያን፣ እቲ ሰማያዊ ሰብ፣ ኣተኩሮ ኣንበብቲ ጥራይ ዘይኮነ ኣቶክሮ መንግስቲ ኣብ ዝሰሓበትሉ ግዜ ኸኣ ብሃንደበት ብሸቃጦ ኣቢላ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተቐልቐለት። እታ መጽሓፍ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ተቐልቒላ ኣብ ሓጺር ግዜ ከኣ ደሃያ ጠፊኡ። ኣብ መንጎ ዝተኣማመኑ ኣሕዋትን መዛኑን እንተዘይኮይኑ፣ ያን፣ እቲ ሰማያዊ ሰብ ለሚንካ ክህበካ ዝኽእል ወልሓደ ሰብ ኣይርከብን።

        እቲ እዋን’ቲ ናይ ኢትዮጵያ ሓላፊ ክፍሊ ፕረስ፣ የፕረስ መምርያ ነበረ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛን ደራስን ተስፋየ ገብርኣብ ኣብ ኣስመራ፣ ሳቫና ሆቴል ዓሪዱ ካብ ከረን ብዝመጸት ዊንታ ዝስማ ጓል ሓብቱ ተሓጊዙ፣ የጋዜጠኛ ማስታወሻ እትብል መጽሓፍ ኣብ ምጽፋፍ ዝነበርሉ ግዜ’ዩ። እታ መጽሓፍ  ብህግደፍ ናብ ዝውነን ትካል ቤት ማሕተም ሳቡር ንሕተመት ምስ ተላእከት፣ ተሓቲማ ናብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ትዝርጋሕ ደኣ በልና’ምበር ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብወግዒ ክትሽየጥ’ያ ዝብል እምነት ኣይነበረናን። ብስመ-ብዙሕ ዝገልጸሉ ዘለኹ ምኽንያት ኣብ ምንባብ መጻሕፍቲ እንግደስ ሰባትን ካልኦትን ብሓባር ነዚ ንከታተሎ ስለዝነበርና’የ።

        ደርፍታትን ፊልምታትን ኣምሓርኛ ኣብ ዕዳጋታት ኣብያተ ሙዚቃ ኤርትራ ከይህሉ ብወግዒ ዝኸልከለ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ፣ ብኣምሓርኛ ዝተዳለወት መጽሓፍ ኣብ ምሕታማን ምዝርጋሕን ንደራሲኣ ዝገበረሉ ምሕብሓብ ፕሮፖጋንዳ ካብ ምዃን ካልእ ምኽንያት ስለዘይሃብና’ዩ፣ ብዙሕ ኣየተሓሳሰበናን።

        ኣብያተ ሙዚቃን ባራትን ኤርትራ፣ ደርፊታት ኣምሓርኛ ከይውልዓ ተኸልኪለን ክነሰን፣ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ኤርትራ፣ ኣብ መደብ ኣምሓርኛ ዘመናዊን ባህላውን ደርፍታት ከጻውታ ምኽኣለን፣ እቲ ዝተደልየ ዕላማ ሰማዒ ወይ ተዓዛቢ ይስሕት ከይህሉ ዘተሓሳሰበሉ ኣኼባ ሚኒስትሪ ዜና ተሳቲፈ ምንባረይ’ውን እዝክር።

        ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ መደብ፣ ብሰንኪ ደርፍታት ኣምሓርኛ ዝበዝሐ ተኸታታሊኡ ህዝቢ ኤርትራ ከይከውን ምትዕርራይ ክግበረሉ ተባሂሉ፣ ደርፍታት ካብ ዘመናውን ፍቕራውን ሓይሉ ናብ ፖለቲካ ቀመስ ዝዛዘዉ ክኾኑ፣ ደርፍታት ድማ ከም መሰጋገሪ እንተዘይኮይኑ ምሉእ ብምሉእ ከይመሓላለፉ ዝብል ናይቲ ዝተሳተፍክዎ ኣኼባ ውሳኔ’ዩ ኔሩ።

        ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ፣ ንባህላዊ ወራር ብኸመይ ክገጥሞ መጽናዕቲ’ውን ኣየካየደሉን። ንባህላዊ ወራር ኣምሓርኛ ብውሳነ ሓደ ሰብ’ዩ ብትእዛዝን ምፍርራሕን ዝቃልስ ዘሎ። ክዕወት ድዩ ክሰዓር ደፋእ ኢልና ክንርእዮ ኢና።

        ኣምሓርኛ ደርፊ ብምስምዑ ንሰለስተ ዓመታት ዝተኣስረ ኤርትራዊ ከምዘሎ ኸ ሰሚዕኩም ዶ ትፈልጡ?

        ሜጀር መንግስ ጸጋይ’ዩ ዝብሃል። ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተወልዐሉ ወርሒ፣ ንዕረፍቲ ኣብ ኣመሪካ ዝነበር’ዩ። ካብቶም ቀዳማት ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኮይኑ፣ ንናይ በረራ ትምህርቲ ናብ ግሪኽ ተላኢኹ። ትምህርቱ ብብቕዓት ቅድሚ ምዝዛሙ ድማ ናብ ኣዝማዱ ናብ ኣመሪካ ተጓዒዙ። ኣብቲ እዋን’ቲ ከኣ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ስለዝተወልዐ፣ ንኤርትራ እነድልያ ሕጂ’ዩ ካብ ዝብል ርሱን ሃገራዊ ስምዒት፣ ንሱን ኣብ ግሪኽ ዝነበሩ ተማሃሮ ሓይሊ ኣየርን ብኡ ንብኡ ናብ ኤርትራ ኣምሪሖም።

        ከም ኣገላልጽኡ፣ ኣብቲ ኵናት ዝሳተፍ እኹል ዓቕሚ ሰብ ስለዘሎ፣ ከይተሰከፍኩም ትምህርትኹም ዛዝሙ ዝብል ትእዛዝ መንግስቲ’ውን ተዋሂብዎም ኔሩ’ዩ። ኢትዮጵያ ጸብለልትነት ሓይሊ ኣየር ኣለዋ ተባሂሉ ይእመን ስለዝነበረ ግን እቶም ናይ ግሪኽ ተማህሮ፣ ከጓንፍ ንዝኽእል ሃጓፋት ንምምላእ ትምህርቶም ክሳብ ምዝዝዛም ክጽበዩ ኣድላዩ ኮይኑ ኣየትሰምዖምን።

Eri Books

        ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ክልትኤን ሃገራት ብዘፍሰስዎ ደም ድሕሪ ምዝሓሉ፣ ፓይሎት ሜጀር መንግስን ካልኦት ብጾቱን ኣብ ናይ ተዛነ ሃዋሁ ኣተዉ።

        ሜጀር መንግስ፣ ኣብቲ ናይ ተዛነ እዋናት፣ ኣብ መኪና ናይ ጥላሁን ገሰሰ፣ ‘እወድሽ ነበረ’ ዘርእስታ ደርፊ ወሊዕካ ተባሂሉ ብትእዛዝ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሜጀረ ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ ኣብቲ ተጋደልቲ ጥራይ ዝእሰርሉ ቤት ማእሰርቲ ጸጸራት ንሰለስተ ዓመታት ከምዝተቐየደ፣ ብኣካል ከውግዓኒ እንከሎ፣ ላግጺ ጥራይ’ዩ ዝመስለኒ ኔሩ። ንሜጀር መንግስ ግና ናይ ሓዋሩ በሰላ ዝገደፈሉን ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ፣ ነታ ትምህርቱ ጠንጢኑ ደው ክብለላ ካብ ኣመሪካ ዝጸመ ሃገሩ ኤርትራ፣ ገዲፉ ከም ብዙሓት ኤርትራውያን ብጾቱ ናብ ስደት ከምርሕ ዘገደዶ ፍጻሜ’ዩ።

        ጋዜጠኛ ደሳለ በረኸት፣ ሓደ እዋን ዘቕረባ ኣምሓርኛ ድየታ ዝሰምዕ ዘለኹ እትብል ዓንቐጹ ብርግጽ ንታሪኽ ሜጀር መንግስ ጸጋይ’ያ ኣዘኻኺራትኒ። ሜጅረ መንግስ ህወይቱ ምእንቲ’ዛ ዘፍቕራ ሃገሩ ንምኽፋል ትምህርቱን ናይ ዕረፍቲ ግዜኡን ኣቋሪጹ ካብ ኣመሪካ ምምጽኡ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣቡኡ’ውን ምእንቲ’ዛ ሜጀር መንግስ ብኽብረት ክነብረላ ዘይክኣለ ኤርትራ በጃ ዝሓለፈ ስዉእ ምዃኑ፣ ነቲ ስቓይ ሰቖቓ ይውሰኾ።

        ነዛ ዓንቐጽ ንምድላው፣ ንሜጀር መንግስ ቁንጫል ካብ ዕላሉ ብዘይፍቃድ ምጥቃመይ እቕሬታ  እናሓተትኩ፣ ኣብ ዘለዎ ጽቡቕ ዕድል ይምነየሉ።

        ደርፊ ኣምሓርኛ ምስማዕን ዘይምስማዕን ካብቲ ምእንቲ ሃገር መስዋእቲ ንምኽፋል ቅሩብ ምዃን ንላዕሊ ዘገድሰሉን ናይ ፖለቲካ መናፍቕን ዝበዝሕሉን ጸልማት ግዜ ኣርኪቡዋ ኣሎ ኤርትራ።

        ደርፊ ጥላሁን ገሰሰ ሰሚዕካ ተባሂሉ፣ ሓደ ካብ ፈለምቲ ኣብረቲ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሜጀር መንግስ ጸጋይ ንሰለስተ ዓመት ክእሰር እንከሎ፣ ጥላሁን ገሰሰ ኣብ ዝሞተሉ ዕለት ከኣ ቴሌቪዥን ኤርትራ ናይ ልዕሊ ሓደ ሰዓት ፍሉይ ሸፈነ ሂባቶ ኔራ’ያ።

         ኣብራሃም ኣፈወርቂ ካብዛ ዓለም ብሃንደበት ብሞት ኣብ ዝተፈልየሉ ዕለት ኤሪ-ቲቪ ከም ናይ ጥላሁን ፍሉይ ሸፈነ ከምዘይሃበቶ ኸ ትዝክሩ ዶ? እኳ ደኣ ኣዝቢ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ጋዜጠኛን ገጣማይን ግርማይ ኣብርሃም ኣብ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ዘዳለዎ ፍሉይ መደብ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ኣብ ማእከል ክቛረጽ ከምዝተገብረ፣ ኣቀዲመ ምስጋናንመንእሰያትህግደፍ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለኽዎ ዓንቐጽ ዘርዚረዮ ኣለኹ። (http://radioerena.wpengine.com/zena/natl/860)

        ህግደፋውያን ሕጂ’ዝን ዝምስገንሉ ኣጋጣሚ ኣይተሳእነን። ንኤርትራውያን ደረስቲ፣ ጋዜጠኛታት፣ ገጠምትን ሰብ ጥበብ ብርዕታቶም ቀራሲሙ፣ ልሳኖም ዓቢሱ ናብ ቤት ማእሰርትን ስደትን ዘፈቐራረቀ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛታን ደራስን ተስፋየ ገብርኣብ፣ ምሉእ ግዜ ብናጻ መታን ክጽሕፍ፣ ኣብ ኣስመራ፣ ደንጎሎን ባጽዕን ቦታን ኩነታትን ተመቻችእሉ ምህላዉ፣ ካብ ልሳኑ ክንሰምዖ ዝገበሩ ህግደፋውያን ሰብ ባልቶክ’ዮም። እሞ ምስጋና ይግብኦም።

        ኣብ ኣስመራ ቤት ማሕተም ሳቡር ተሓቲማ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብዕሊ ዝተሸጠት ብተስፋየ ገብርኣብ ዝተዳለወት ናይ ኣምሓርኛ መጽሓፍ የጋዜጠኛ ማስታወሻን፣ ከይሕተም ተኸልኪላ ብሕቡእ ክትዝርጋሕ ዝተገደደት ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ያን፣ እቲ ሰማያዊ ሰብን ኣብ ምንጽጻር እንተእቲና’ውን መንግስቲ ኤርትራ ባህላዊ ወራር ይከላኸል ዘይኮነ፣ ባህላዊ ምጽናት ይፍጽም ከይህሉ ከነስተብህለሉ’ዩ ዝግባእ።

        ያን፣ እቲ ሰማያዊ ሰብ፣  ኣብ ቻይና ኣብ ግዜ ምልካዊ ስርዓት ማኦ ዝነበረ ኩነታት ማእሰርቲ፣ ስቅያት፣ ምዕፋን ኣመንቲ ሃይማኖታት፣ ድኽነት፣፣ ምውትድርና፣ ፕሮፖጋንዳ…ወዘተ እተዘንቱ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ርዒማ ዝተተርጎመት መጽሓፍ’ያ። ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ግና ስም ተርጓምን ዝተሓትመትሉ ቤት ማሕተምን ከይተጠቕሰ ብሕቡእ ተዘርጊሓ።

        ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ስለዘንጸባረቐት ከኣ ብኣባላት ስለያ ከምእትህደን ጌሩዋ። ሩትእታሞኣባዊት እትበል ምስ ንስደት ብመንፈሳዊ ዓይኒ እትገልጽ ካልእ መጽሓፍ’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተዘርጊሓ እኳ እንተኾነት፣ ከምታ ቀዳማይቲ ግና ኣብ መግስቲ ሻቕሎት ኣይፈጠረትን። ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ዘሻቐለ እንተነበረ፣ ተነቢባ ስምዒታት ከይትቕስቕስ ዘይኮነ፣ መጻሕፍቲ ካብ ዓይኒ መንግስቲ ተኸዊሉ ብኸመይ ኣገባብ ይሕተምን ይዝርጋሕን ምህላዉ ነበረ።

        ኤርትራ ዘይተጻሕፈት መጽሓፍ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብስም ተስፋይ ገብርኣብ ዝተጻሕፈ ዓንቐጽ ብዝርኣኹ፣ ደራስን ጋዜጠኛን ተስፋየ ገብርኣብ ብትውልዲ ኤርትራ ምዃኑ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ብዛዕባ ኤርትራ እንታይ’ዩ ዝፍለጥ? ናብ ዝብል ሕቶ ክደፍኣኒ ባህርያዊ ነበረ።

        ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ክፍሊ ሳንሱር ልዕሊ 200 መጻሕፍቲ ሰኣን ኣንቢቡ ፍቓድ ዝህቦ ወይ ከኣ ዝኽልክሎ፣ ተደርብዩ ምህላዉ፣ እንፈልጥ ኤርትራውያን ክንደይ ኢና? በብእዋኑ ሓለፍቲ ናይታ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና እትርከብ ክፍሊ ሳንሱር ዝነበሩ ኣማኑኤል ሓድጉ(ባርያ)፣ ኣቶ ሞክርያ ወልዱ፣ ኣቶ ኤልያስ ሃሩን ግርማይ መንከኒኖን ካልኦት ኣባላት እታ ክፍልን ክነግሩና ዶ ክንጽበ ኢና? ወይስ ከም ወዮ እናሻዕ ዝበሃለናን ተስፋየ ገብርኣብ’ውን ዝደገሞን፣ ኤርትራውያን ብዙሕ ናይ ምጽሓፍን ምንባብን ልምዲ የብልናን ኢልና ክንሰግሮ።

        ናብ ኤርትራ ምእታው ዕድል ዘይረኸባ ከም ብዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ ዝተጻሕፈት ሓላውታ ወርቃዊት ገረብ ዝኣመሰላ ናይ ኤርትራ መጻሕፍቲ ኸ ኤርትራ፣ ዘይተጻሕፈት መጽሓፍ ድዩ ዘብል ወይስ ኤርትራ ተጻሒፋ  ክትንበብ ዕድል ዘይረኸበት መጽሓፍ?

ኣማኑኤል ግርማይ

(ዕባይ ኣኽርያ ካብ ጀርመን)

28 ጥቅምቲ 2014

COMMENTS

WORDPRESS: 0