ኤርትራ፣ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ዓመታት፣ 120 ሜጋ ዋት ተተካኢ ጸዓት ከተተኣታቱ ምምዳባ ገሊጻ

Radio Erena: 28 September 2022

ኤርትራ፣ ክሊማዊ ለውጢ ንምምካት እትኽተሎ ዘላ ኣሰራርሓ፣ ኣብ ዋዕላ ቅነ ክሊማ ኣፍሪቃ ከም ኣብነት ኣቕሪባ።

ኣብቲ ‘ቅነ ክሊማ ኣፍሪቃ -Africa Climate Week ዝተሰምየ፣ ካብ 29 ነሓሰ ክሳብ 02 መስከረም፣ ኣብ ጋቦን ከተማ ሊብርቪል ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ኤርትራ፣ ርዋንዳን ሞሮኮን ዕዉት ተሞክሮአን ኣብ ምግታእ ብከላ ኣከባቢ ከምዘካፈላ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ኣብ ዘቕርበቶ ትሕዝቶ፣ ንኤሌክትሪሲቲ ዝባኽን ዘሎ ነዳዲ ብምውሓድ፣ ካብ ጸሓይን ንፋስን ዝርከብ ተተካኢ ጸዓት ንምትእትታው ትሰርሕ ከምዘላ’ያ ኣረዲኣ።

ኤርትራ፣ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ 50 ሜጋዋት ካብ ጸሓይ፣ 40 ሜጋዋት ካብ ንፋስ፣ 30 ሜጋዋት ካብ ጂኦተርማል ወይ ናይ ትሕተ መሬት ጸዓት ንምርካብ መዲባ ምህላዋ’ያ ሓቢራ።

ከም ኣመሪካ፣ ቻይና፣ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ዝኣመሰላ ሃገራት እተን ዝበዝሐ ከባቢ ዝብክላ ሃገራት ክኾና እንከለዋ፣ ኤርትራ እትርከበን ሒደት ሃገራት ኣፍሪቃ ግና ብሰንኪ’ቲ ካብ ምዕባለ ድሕሪት ምትራፈን፣ ኣብ ብከላ ኣከባቢ ብዙሕ ግደ የብለንን።

ዝበዝሐ ክፋል ኤርትራ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲ ዘይብሉን፣ ኣብቲ ዝነበሮ ከተማታት’ውን ዝነበረ ኣገልግሎታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዋሓደ ይመጽእ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኤርትራ፣ ካብ ብዝሒ ተሽከርከርቲ ይኹን ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት፣ ነፈርቲን መራኽብን ዝበንን በካሊ ትኪ ናጻ ዝኾነት ሃገር’ያ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0