ኤርትራ፣ ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ልዕሊ 21 ሽሕ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ተመዝጊቦም

Radio Erena: 26 August 2020

ክሳብ ታሕሳስ 2019 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኣብ መላእ ኤርትራ፣ 21, 900 ተጠቐምቲ ፌስቡክ ከምዝተመዝገቡ ኢንተርነት ዎርልድ ስታተስ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፍሩ።

ብመሰረት እቲ ትካል፣ ዋሕዚ ኢንተርነት ኣብ ኤርትራ 0.6% ጥራይ’ዩ ሸፊኑ።

እቲ ንብዝሒ ተጠቐምቲ ኢንተርነትን ማሕበራዊ ሜድያን ሃገራት ዓለምና ኣመልኪቱ፣ ዓመታዊ ጸብጻቡ ዝዝርግሕ ናይ መጽናዕቲ ትካል፣ ኣብ ዝሓለፈት ዓመት፣ ኣብ ኤርትራ ኢንተርነት ናይ ዝተጠቕሙ ጠቕላላ ብዝሒ ሰባት 293, 343 ምንባሩ ጠቒሱ።

እዚ ድማ ምስ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ክነጻጸር እንከሎ፣ ክሳብ ታሕሳስ 2019 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣስታት 8% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ’ዩ ኢንተርነት ናይ ምርካብ ዕድል ረኺቡ።

ኤርትራ፣ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝወሓደ ተጠቐምቲ ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር’ያ።

ካብተን ኣብቲ ዝርዝር ቀሪበን ዘለዋ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ጥራይ ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ጎረቤት ኤርትራ ዝኾነት ጂቡቲ ከም መነጻጸሪ እንተወሲድና፣ 211 700 ተጠቐምቲ ፌስቡክ ክህልዉ እንከለዉ፣ ልዕሊ ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ወይ 55.5% እታ ሃገር ኢንተርነት ክግልገል ክኢሉ።

ኣብታ ዓመት እቲኣ፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክረኽቡ ዝከኣሉ ዜጋታት ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ሚልዮን ወይ ድማ 17% ካብ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኮይኑ፣ ፌስቡክ ዝተመዝገቡ ልዕሊ 6 ሚልዮን’ዮም።

ምስ ብዝሒ ህዝባ ክነጻጸር እንከሎ፣ ኣብታ ዓመት እቲኣ፣ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን 5.2% ሰባት ጥራይ’ዮም ኣብ ፌስቡክ ተመዝጊቦም።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ዝሓለፈ ዓመት ዝበዝሑ ተጠቐምቲ ኢንተርነትን ፌስቡክ ዝተመዝገቡን ዜጋታት ዘለዋ ሃገር ሊብያ ኮይና፣ ካብ ኣስታት 6.8 ሚልዮን ብዝሒ ህዝባ እቲ 74% ይበጽሕ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0