ኤርትራ፣ ካብ 2 ክሳብ 16 ዓመታት ዝተኣስሩ 35 ኣመንቲ ክርስትና ጴንጠቆስጣል ተፈቲሖም

Radio Erena: 14 September 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ካብ 2 ክሳብ 16 ዓመታት ዝተኣስሩ 35 ኣመንቲ ክርስትና ተፈቲሖም።

ኣብ ምጥባቕ እሱራት ኣመንቲ ዝነጥፍ ሃኒባል ዳኒኤል ንሬድዮ ኤረና ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እዞም እሱራት ኣብ ማይ ስርዋ ተታሒዞም ዝጸንሑ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ሓንቲ ካብዞም ተፈቲሖም ዘለው፣ ኣብ 16 ዓመት ዕድሚኣ ዝተኣስረት ውህበት የማነ ዝተባህለት ኮይና፣ ን14 ዓመታት ተኣሲራ ዝጸንሐት’ያ።

እንተኾነ ኣብ ማይ ስርዋ፣ መትከል ኣብየት፣ ዳህላክን ካልእ ኣብያተ ማእሰርቲን ኣማኢት ኣመንቲ ክርስትና ተኣሲሮም፣ ብኸቢድ ይሳቐዩ ምህላዎም ናይ ብዙሓት ዝፈልጦም ከም ኣብነት ብምዝርዛር ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብእምነቶም ዝተኣስሩ ኣማኢት ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታት ከምዘለዉ ይፍለጥ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0