“ኤርትራ፣ ኣብ ዞባ ማእከል፣ ብሰንኪ ሓደጋ ተሽከርከርቲ ዝስዕብ ሞት ብ87.5% ወሲኹ።” ፖሊስ ትራፊክ

Radio Erena: 12 May 2023

ኣብ ኤርትራ፣ ዞባ ማእከል ገኒኑ ብሰንኪ ዘሎ ሓደጋ ተሽከርከርቲ፣ መጠን ሞት ብ87.5% ከምዝወሰኸ፣ ንኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ናይቲ ዞባ፣ ሜጀር ሃይለ በራኺ ብምጥቃስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ሓቢራ።

እታ ጋዜጣ፣ ብ11 ግንቦት ኣብ ዘስፈረቶ ጸብጻብ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ 2023 ምስቲ ተመሳሳሊ ወርሓት ቅድሚ ኣብ ዝነበረ ዓመተ 2022 ብምንጽጻር፣ ሓደጋ ተሽከርከርቲ ብ44% ንሂሩ ከምዘሎ ኣተሓሳሲባ።

ብመሰረት ጸብጻብ እታ ጋዜጣ፣ ካብ መጀመርያ ጥሪ ክሳብ መወዳእታ መጋቢት 2023 ኣብ ዝነበራ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ ኣብ ዞባ ማእከል 666 ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ኣጋጢሙ።

እዚ ሕእደጋታታ እዚ ዘስዓቦ ድማ፣ ሞት ብ87.5% ከቢድ መቝሰልቲ ብ72%፣ ፈኵስ መቝሰልቲ ብ55%፣ ዕንወት ንብረት ድማ ብ52% ወሲኹ ኣሎ።

እቲ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ብዝሒሓደጋታት ተሸከርከርትን ዘስዓቦ ሞት፣ መቝሰልትን ዕንወትን፣ ብሚእታዊት እንተዘይኮይኑ፣ ብኣሃዝ ኣይጠቐሰን።

ኣብዘን ዝሓለአፍ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ 27,643 ተሽከርከርቲ፣ ሕጊ ትራፊክ ብምጥሓሰን ከምዝተኸሰሳ ዝሓበረ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ምእከል፣ ብድምር 6.2 ሚልዮን ናቕፋ ከምዝተቐጽዓ ኣፍሊጡ።

ከም ቀዳምነት ዘይምሃብ፣ መንገድኻ ዘይምሓዝ፣ ርሕቀት ዘይምሕላውን፣ ንኣጋር ቀዳምነት ዘይምሃብ ዝኣመሰሉ ጥሕሰት ሕግታት ትራፊክ፣ ቀንዲ ጠንቕታት እቲ ሓደጋ ምዃኖም ተጠቒሱ ኣሎ።

ይኹን’ምበር፣ ዓመታዊ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ ተሽከርከርቲን ዝስዕብ ዘሎ ሞትን ብዕጽፍታት እናዛየደ፣ እቲ ጠንቂ ሕግታት ትራፊክ ዘይምኽባር ጥራይ ተባሂሉ ክሕለፍ ዝኽእል ከምዘይኮነ ወሃብቲ ርእይቶ የመልክቱ።

ኤርትራ፣ ካብተን ዝወሓደ ብዝሒ ተሽከርከርቲ ዘለወን ሃገራት ዓለም ክነሳ፣ ብሓደጋ ተሽከርከርቲ ግና ምስ ቀዳሞት’ያ ትስራዕ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0