ኤርትራ፣ ኣብ ዓሰብ ዝተዓሸጋ መራክብ ኲናት ነዘርላንድስ ኣብ ጸገም ወዲቐን

Radio Erena: 08 September 2019

ኣብ ወደብ ዓሰብ ተዓሺገን ዘለዋ ክልተ መራኽብ ኲናት ነዘርላንድስ፣ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከምዝርከባ ተገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ነዘርላንድስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እተን ኣብ ስለያ ዝነጥፋ መራኽብ ኣብ 2017 ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተሸጣ እኳ እንተኾና፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ የመን ዝተነብረ ናይ ኣጽዋር እገዳ ክንቀሳቐሳ ስለዘይከኣላ ኣብ ዓሰብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ወደብ ኢማራት ተዓሺገን ከምዘለዋ ገሊጹ።

ኢማራት ዓረብ፣ ንመሬት ኤርትራ ከም መዋፈሪ ኲናት ናብ የመንን፣ መኽዘን ሎጂስቲክስን ጥራይ ዘይኮነ፣ ሱዳናውያንን የመናውያንን ወተሃደራት እተሰልጥነሉ ወተሃደራዊ መዓስከር እውን ከፊታትሉ ከምዘላ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ኣቐድም ኣቢላ ነዘርላንድስ ኣብ ኲናት የመን ኢድ ኣለዋ ተባሂሉ ንዝቐረበላ ክሲ ናይ ኣሉታ ምላሽ ብምሃብ፣ እተን መራኽብ ንረዲኤት ዝተዋፈራ ምዃነን እያ ክትገልጽ ጸኒሓ። እንተኾነ ሽተርን መጋዚን ጀርመኒ፣ ቲቪ 4 ሽወደን፣ ከምኡ’ውን ላይትሃውስ ሪፖርትስ ብሓባር ኣብ ዘካየዱዎ መጽናዕቲ እተን መራኽብ ናይ ወተሃደራዊ ስለያ መሳርሒታት ዝዓጠቓ ምዃነን ድሕሪ ዘቕረቡዎ መርትዖታት እዩ እዚ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝቐርብ ዘሎ።

ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ጎረባብትን ሃገራት ምዕራብን ኣብ ጉዳይ የመን ኢድ ብምእታወን፣ ነቲ ውግእ ሓድሕድ ዝያዳ ኣብኢሱዎ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar
    wedinakfa 5 years ago

    Journalists are cheaper than hooker is a very true description of Media and it’s runners!!!

    • comment-avatar

      You are right, cheaper but more effective in revealing the naked truth.

  • comment-avatar

    Kemey eyu ezi guday esu gengan xegibu