ኤርትራ፣ ኣብ ዋዕላ ሚኒስተራት ሃገራት ኣፍሪቃን ኢጣልያን ተሳቲፋ

ኤርትራ፣ ኣብ ዋዕላ ሚኒስተራት ሃገራት ኣፍሪቃን ኢጣልያን ተሳቲፋ

Radio Erena: 26 October 2018

2nd African Italian ministerial conference

ኤርትራ፣ ኣብ ልምዓታዊ ሓገዝ፣ ወፍሪን ምግታእ ዘይሕጋውያን ምስግጋር ስደተኛታትን ዘተኮረ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ኢጣልያን ተሳቲፋ።

ኣብዚ ትማሊ 25 ጥቅምቲ፣ ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ካልኣይ ዋዕላ ሚኒስተራት ሃገራት ኣፍሪቃን ኢጣልያን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንኤርትራ ብምውካል ተረኺቡ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ወከልቲ ናይ 54 ሃገራት ኣፍሪቃን ናይ 14 ኣህጉራውያን ውድባትን ዝርከብዎም 350 ሰባት ከምዝተሳተፉ ሚኒትሪ ጉዳያት ወጽኢ ኢጣልያ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጽኢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ኣብ ጉዳይ ሓድሽ ምዕባለታት ሰላም ብዝምልክተ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ስሉሳዊ ርክብ ኣካይዶም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሴፐ ኮንተ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምብጻሕ ብምክያድ፣ ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታትን ልምዓታዊ ሓገዝን ብምትኳር ከምዝተዘራረበ ይዝከር።

ኤርትራ፣ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሑ ዜጋታታት ኣብ ኢጣልያ ተሰዲዶም ዝርከቡ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃና ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0