ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢ ቃጨሮ፣ ሳልሳይ ዙር ወትሃደራዊ ታዕሊም ኣባላት ሓይልታት ኣምሓራ ተኻይዱ

Radio Erena: 15 April 2022

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራ፣ ከባቢ ቃጨሮ፣ ንኣስታት 2 ሽሕ ኣባላት ሓይልታት ኣምሓራ፣ ወትሃደራዊ ታዕሊም ከምዝተዋህቦም ምንጭታት ራድዮ ኤረና ገሊጾም።

እቶም መንእሰያትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ሓይልታት ኣምሓራ፣ ካብ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዞም ናብ ናብ ከባቢ ቃጨሮ ከምዝተኣኻኸቡ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዝኣክል ወትሃደራዊ ስልጠና ወሲዶም ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት፣ በብጉጅለ ተኸፋፊሎም ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ ኣረዲኦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፣ ኣብቲ ከባቢ፣ ንሓይልታት ኣምሓራ ክልተ እዋናት ተተምሳሳሊ ታዕሊም ከምዝተዋህበ እቶም ምንጭታት ኣተሓሳሲቦም።

ቃጨሮ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ኦምሓጀር ዝርከብ ሰፊሕ ጎላጉል ኮይኑ፣ ምስ ኢትዮጵያ ብወገን ሑመራ ይዳወብ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0