ኤርትራ፣ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝሓመቐ ኣግልግሎት ዝህብ መዓርፎ ነፈርቲ እትውንን ሃገር ተባሂላ

RADIO ERENA – Tuesday, 15 April 2025

ኤርትራ፣ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝሓመቐ ኣገልግሎት ዝህብ መዓርፎ ነፈርቲ እትውንን ሃገራት ተባሂላ፣ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ።

ግሎባል ፋይር ፖወር ዝተባህለ መጽናዕታዊ ትካል ብዘቕረቦ ናይ 2025 ጸብጻብ ሃገራት፣ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝሓመቐ ኣገልግሎት ዝህብ እትውንን ሃገራት ተባሂላ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘተ ሴራልዮን ክትከውን እንከላ፣ ኤርትራ ካልኣይቲ፣ ቤኒን ድማ ሳልሳይቲ ተሰሪዐን ይርከባ።

እቲ ትካል ከም መምዘኒ ዝተጠቕመሉ ነጥብታት፣ መዓርፎ ነፈርቲ ዝህቦ ኣገልግሎት መጓዓዝያ፣ መጸበይ ገያሾ ዝውኖ ኣገልግሎታት፣ ምቹእነ፣ ቱሪዝምን ንግድን ዝኣመሰለዩ።

በዚ መምዘኒታት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝሓመቐ ተባሂሉ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ እቲ ዝበለጸ ኣገልግሎታት ዝህብ መዓርፎ ነፈርቲ እትውንን ተባሂላ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃያ።

ኣህጉራዊ መጽናዕታዊ ትካል ግሎባል ፋይር ፖወር፣ ብዘይካ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ደረጃ ወትሃደራዊ ዓቕሚ ሃገራትውን ዝርዝር ኣስፊሩ ኣሎ።

በዚ መዳይ እዚ ድማ ኤርትራ ካብ 145 ሃገራት ዓለም ኣብ መበል 120 ተሰሪዓ ትርከብ።

===================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0