ኤርትራ፣ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 118 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝፈትሐት ሑቲ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 30 August 2021

ኣብ ኤርትራ፣ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ትሽዓተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ቀይዲ ጸኒሖም ዝተባህሉ 118 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ናብ ዓዶም ከምዝኣተዉ፣ ሑቲ ብ29 ነሓሰ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ዜና ሳባ፣ ንበዓል መዚ ሃብቲ ዓሳ የመን፣ ሃሽም ኣል ዳናይ ብምጥቃስ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም 68 የመናውያን ናብ ሰንበት 29 ነሓሰ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ናብቲ ሑቲ ዝቖጻጸሮ ክፋል ወደብ ሖደይዳ ኣትዮም።

እቶም ዝተረፉ 50 ድማ ብገማግም ወደብ ኣል ኩባ ኣቢሎም ናብታ ከተማ ከምዝኣተዉ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቶም የመናውያን ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ከባቢ ብንጹር ኣይተጠቕሰን።

መንግስቲ ኤርትራ ምስተን ኣንጻር የመን ዝተሻረኻ ሃገራት ብምዃን ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ተጻብኦታት ይቕጽል ከምዘሎ፣ ኣካል ሑቲ ዝኾነ በዓል መዚ ሃብቲ ዓሳ የመን፣ ኣብ መግለጺኡ ወቒሱ።
=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0