ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ግፋ ይቕጽል ኣሎ

Radio Erena: 18 May 2021

ኣብ ኤርትራ፣ ሓያሎ ከባቢታት ጸጸኒሑ ክካየድ ዝጸንሐ ግፋ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ኣስመራ፣ ብዘይካ’ቲ ናብ ኩሉ ዞባታት ዘንቀሳቕስ መስመራት ዝካየድ ዘሎ ተፍትሽን ግፋን፣ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኤርትራውያን፣ ተመሳሳሊ መንእሰያት ከካብ ቤቶም ይግፈፉ ምህላዎም እቲ ዝበጽሓና ሓበሬት ኣፍሊጡ።

በብእዋኑ ዝግፈፉ ዘለዉ መንእሰያት፣ ገሊኦም ናብ ኮርመናዕ፣ ገሊኦም ድማ ናብ ዊዓ እናተላእኩ ካብ 3 ክሳብ 5 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ ታዕሊም እናወሰዱ ናብ ኵናት ትግራይ ይዋፈሩ ምህላዎም ዝግለጽ።

እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ድማ፣ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ እዋን መዓልቲ ናጽነት ዝካየድ ልሙድ ተርእዮ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣዘኻኺሩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Angeb 3 years ago

    ኣብዚ እዋን ምኽባር መዓልቲ ናትጽነት ከባቢኻ ምፍታሽ ናይ ግድን እዩ