ኤርትራ፣ ኣልፋ ኤክስፕሎሬሽን፣ ምህርቲ ወርቂ ክሓፍስ ጀሚሩ

Radio Erena: 03 July 2022

ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ኤርትራ ዕደናታት ዘካዪዱ ዘለዉ ትካላት፣ ኣልፋ ኤክፕሎሬሽን፤ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ምህርቱ ክርእይ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራ ዝርከብ ፕሮጀክት ከርካሻ፤ ናይ ወርቂ ዕደና ንምክያድ ካብ ዝመደቦ ናይ 19 ኩዕታ ጎዳጉዲ፤ ኣብ ወርሒ ግንቦት ምዝዛሙ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ’ዩ።

ካብዚ ናይ ወርቂ ኩዕታ ዞባታት፤ ኣብ ሰለስተ ቦታታት፤ ናይ 7፤ 17፤ 27 ሜትሮታት፤ ኣዕጋቢ ውጽኢት ረኺቡሉ ከምዘሎ ኣልፋ ኤክፕሎሬሽን ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፤ እቲ ትካል ኣብ ካልእ ሰለስቲ ቦታታት ኤርትራ’ውን ኣፈናዊ መጽናዕቲ ኣካዪዱ፤ ተስፋ ዝህብ ውጽኢት ረኺቡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ፕሮጀክት’ዚ ኣልፋ ኤክስፕሎረሽን፤ ናይ 13 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ኣካዪዱ ኣሎ። 135 ኪሎሜተር ካብ ኣስመራ ርሒቑ ዝርከብ’ዚ ፕሮጀክት፤ ኣብ 1920ታት ኢጣልያውያን ገዛእቲ፤ወርቂ ክዕድኑሉ ጀሚሮም ምንባሮም ይፍለጥ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0