ኤርትራ፣ ኣልገደን ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ተኣሲሮም ካብ ዘለዉ መንእሰያት ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ክልተ ተቐቲሎም

Radio Erena: 19 November 2021

ኤርትራ፣ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተገፊፎም፣ ኣልገደን ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ሳዋ ተኣሲሮም ዝነበሩ መንእሰያት ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ክልተ ብዝተተኮሰሎም ጠያይቲ ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ድሕሪ ምግፋፎም፣ ‘ነዊሕ ዓመታት ኮብሊልኩም ተባሂሎምን ካልእን ክስታት ተመስሪትሎም’፣ ንበይኖም ተፈልዮም፣ ኣልገደን ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ንሓያሎ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣስታት 300 መንእሰያት፣ ብሓሙስ 21 ጥቅምቲ ክሃድሙ ከምዝፈተኑ እቲ ድሒሩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

እቶም እሱራት በብጉጅለ ተኸፋፊሎም፣ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ፣ ንሽንቲ ኣብ ዝወጽሉ እዋን ነቲ ናይ ህድማ ፈተነ ከምዘካየዱ ዝጠቐሱ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት፣ ካብ ኣባላት ሓለዋ ናይቶም እሱራት ብዝተኸፍተ ተዅሲ፣ ክልተ ክቕተሉ እንከለዉ ብውሕዱ ሰለስተ ድማ ከምዝቖሰሉ ኣመልኪቶም።

ድሕሪ ዝተኸፍተሎም ጽዕጹዕ ተዅሲ፣ ብዝበዝሑ ካብቶም ክሃድሙ ዝፈተኑ እሱራት ክተሓዙ እንከለዉ፣ ዝሃደሙ ከምዘለዉ’ውን ቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ኣልገደን፣ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ኤርትራ፣ ከባቢ ፎርቶ ዝርከብ ኮይኑ፣ ካብ ሳዋ ኣስታት 40 ኪሎሜተር ንደቡብ ርሒቑ ይርከብ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0