ኤርትራ፣ ንሳልሳይ ኮሚተ መበል 72 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት  ብደረጃ ምክትል ኣቦ መንበርነት ክትመርሖ’ያ

ኤርትራ፣ ንሳልሳይ ኮሚተ መበል 72 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብደረጃ ምክትል ኣቦ መንበርነት ክትመርሖ’ያ

Radio Erena: 09 June 2017

Nebil

ኣካያዲ ስራሕ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ነቢል ስዒድ፣ ምክትል ኣቦ መንበር ሳልሳይ ኮሚተ መበል 72 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ተመሪጹ።

መንእሰይ ዲፕሎማሰኛ ነቢል ስዒድ፣ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፣ ከም ምክትል ኣቦ መንበር ሳልሳይ ኮሚተ ኮይኑ ምምራጹ፣ ነታ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዲፕሎማሲ ተነጺላ እትርከብ ኤርትራ ዓቢ ዕድል ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

መበል 72 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ካብ 12 ክሳብ 25 መስከረም፣ ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ’ዩ ክካየድ።

ሳልሳይ ኮሚተ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት፣ ሰብኣዊ መሰላትን ካልእ ንህዝቢ ብቀረባ ኣብ ዝጸሉ ዝተፈላለየ ጉዳያት እትዝቲ ኣካል ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት’ያ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብሞት ንዝተፈልየ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ዛጊት ብኻልእ ከምዘይተክኦ’ዩ ዝግለጽ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብሞት ንዝተፈልዩ ይኹን ባዕሉ ንዘደስከሎም ሰበ ስልጣናቱ ከይተክአ ንነዊሕ ክጸንሕ እዚ ቀዋሚ ወኪል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ነበር ኣቶ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ኣብ ነሓሰ 2005 ብሞት ድሕሪ ምፍላዩ’ውን፣ እቲ ሚኒስትሪ ብኣቶ ዑስማን ሳልሕ ክሳብ ዝትካእ ንኣስታት ክልተ ዓመት ብዘይ ወግዓዊ ሚኒስተር ከምዝጸንሐ ኣይርሳዕን።

ሚኒስትሪ ዜና’ውን ድሕሪ ምድስካልን ምእሳርን ሚኒስተር በራኺ ገብረስላሴ ንሓያሎ ዓመታት ብዘይ ሚኒስተር ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ክልተ ዓመቱ ሓሊፉ ብዘይ ወግዓዊ ሚኒስተር ከምዘሎ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0