ኤርትራ፣ ናይ ዝተበየነላ ማዕቀብ ካሕሳ ሓቲታ

ኤርትራ፣ ናይ ዝተበየነላ ማዕቀብ ካሕሳ ሓቲታ

Radio Erena: 30 September 2018

osman saleh in UNኤርትራ ናይቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተበየነ ዘይፍትሓዊ ዝበለቶ ማዕቀብ ናይ ዘውረዶ ክሳራ ካሕሳ ክወሃባ ሓቲታ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ብቀዳም ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መደረ፣ እቲ ዘይፍትሓዊ ዝበሎ ማዕቀብ ክለዓል ጥራይ ዘይኮነስ፣ በቲ ማዕቀብ ዝተፈጥረ ናይ ቁጠባ ምዝንባል እውን ካሕሳ ክወሃብ እዩ ሓቲቱ።

ኣቶ ዑስማን ኣብ መደርኡ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ብሰላም ካብ ዝዓርፍ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ እንከሎ፣ እቲ ማዕቀብ ብዘይምልዓሉ ከምዝደንጎየ ድሕሪ ምሕባር፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ገለ ጽቡቕ ናይ ኤርትራ ዘይምነያ ሃገራት ምውሳኑ ከምዘተሓሳሰቦ’ውን ይገልጽ።

 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ብሪጣንያን፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ሃገሩ ምምሕያሽ ብዘይምርኣዩ፣ እቲ ማዕቀብ ከምዘለዎ ክጸንሕ ካብ ዝጠልባ ሃገራት’የን።

ድሕሪ ምፍርራም ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን እውን እንተኾነ፣ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ዝያዳ ገኒኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ተዳሂኹ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝተበየነ ማዕቀብ ኣብ ወርሒ 10 ዳግማይ ክምርምሮ’ዩ።

=========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0