ኤርትራ፣ ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዘፍቀደቶ ናይ ዜሮ ታሪፍ ሰደድ ተገሊላ

Radio Erena: 12 December 2022

ቻይና፣ ኣብ 7 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፣ ኤርትራ ካብ እትርከበን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ 16 ሃገራት ንዝኣቱ ነገራት፣ ብዜሮ ታሪፍ ወይ ድማ ካብ ናይ ሰደድ ቀረጽ ናጻ ክትገብሮ ምዃና ኣፍሊጣ ኔራ።

እንተኾነ፣ እታ ሃገር፣ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጽኣቶ ካልእ መግለጺ፣ ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ 9 ምዃነን ክትጠቅስ እንከላ፣ ኤርትራ ግና ኣብቲ ዝርዝር የላን።

ኤርትራ ካብቲ 98% ናይቲ ካብዘን ሃገራት ናብ ቻይና ዝልኣኽ ነገራት ብዘይቀረጽ ክኣቱ ዘፍቅድ ንግዳዊ ዕድል ዝተገለለትሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ከም ናይ ኤርትራ፣ ኣቐዲማ ኣብቲ ዝርዝር ዝነበረት ድሒራ ግና ዝተገለለት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፣ ተጠቃሚት እቲ ናይ ቻይና ናይ ንግዲ ዕድል ዘይኮነትሉ ምኽንያት፣ ምድንጓያት ሰነድ ምዃኑ ሓቢራ።

ኣብቲ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝወጸ መግለጺ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲን ሱዳንን ዝርከብአን ሓያሎ ሃገራት፣ ፍርያተን ካብ ቀረጽ ናጻ ናብ ቻይና ክልእካ ከምዝኽእላ ተጠቒሰን እኳ እንተነበራ፣ ኣብዚ ሓድሽ ዝርዝር ግና ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወልሓንቲ ሃገር የለን።

ብዘይካ ኢትዮጵያ፣ ካልኦት ዝተገለላሉ ምኽንያት ኣይሓበራን።

ተጠቀምቲ ናይቲ ካብ ባሕቲ ታሕሳስ ኣትሒዙ ግብራዊ ኮይኑ ዘሎ ናይ ታሪፍ ዜሮ ንግዳዊ ዕድል ዝኾና ሃገራት፣ ካብ ኤስያ ኣፍጋኒስታን ጥራይ ክትከውን እንከላ፣ ካብ ኣፍሪቃ፣- ቤኒን፣ ቡርኪናፋሶ፣ ሌሴቶ፣ ማላዊ፣ ሳኦ ቶመ ፕሪንሲፕ፣ ታንዛንያ፣ ኡጋንዳን ዛምብያን’የን።

መብዛሕተን እዘን ሃገራት፣ ብመምዘኒ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን፣ ምስ ቀዳሞት 10 ድኻታት ሃገራት ዓለም ዝስራዓ ኮይነን፣ ዝወሓደ ሰደድ ዘለወን’የን።

ቻይና ካብዘን ሃገራት ዝልኣኽ 8,786 ፍርያት ወይ ድማ እቲ 98% ካብ ቀረጽ ናጻ ምዃኑ እኳ እንተገለጸት ዝርዝር ናይቲ ዝልኣኽ ነገራት ኣይተነጸረን።

ኣብ 2020፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ቻይናን ዝነበረ ንግዳዊ ልውውጥ ኣስታት 330 ሚልዮን ዶላር ምንባሩ ጸብጻባት ንግዲ ይሕብሩ።

ኣብቲ ዓመት’ቲ፣ ኤርትራ ኣስታት 70 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ማሺነሪታት፣ መካይንን ጎማታትን ክትሽምት እንከላ፣ ልዕሊ 264 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ነሓስን ዚንጎን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ማዕድናት ድማ ናብ ቻይና ልኢኻ።

ብመሰረት እቶም ጸብጻባት፡ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ነዳዲን ማዕድናትን ዝርከቦ ኣስታት 100 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ፍርያት ናብ ቻይና ክልእካ እንከለዋ፣ ቻይና ኣብዛ ኣህጉር እትገብሮ ንግድን ወፍሪን ልዕሊ 250 ቢልዮን ዶላር ይግመት።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Abel 1 year ago

    ሃገራት ኣፍሪቃ 10 ጥራሕ እባ ‘የን ን ኤርትራ ሓዊስካ።