ኤርትራ፣ ተወሳኺ ሰራዊት ናብ ዶባት ትግራይ ተዋፍር ኣላ

Radio Erena: 27 November 2020

ብዓበይቲ መካይን ዝተጻዕነ ሰራዊት፣ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ዘዳውብ ከባቢታት ብብዝሒ ይወፍር ምህላዉ ናይ ዓይኒ መሰካኽር ሓቢሮም።

ኣቐዲሙ፣ ናብ ደቡብ፣ ከባቢታት ባድመ፣ ጸሮናን ዛላምበሳን ከምኡ ድማ ብመንገዲ ባጽዕ ናብ ከብቢታት ቡሬን ዝወረዳ ሓያሎ ክፍላተ ሰራዊት ኤርትራ ከምዘለዋ ዘመልከቱ ካልኦት ምንጭታት ብወገኖም፣ እዚ ሕጂ ብለይቲን ጸልማትን ተጎልቢቡን ክጎዓዝ ዝሓድር ዘሎ ሰራዊት ተወሳኺ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኵናት ኣብ ዝጀመረሉ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶባት ተጸግዑ ምንባሩ ብምምልካት፣ ሓደ ሓደ ኣሃዱታት’ውን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፈን ኣብቲ ኵናት ከምዝኣተዋ ጠቒሶም።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኤርትራ ይሳተፍ ምህላዉ ብወገን ትግራይ ብተደጋጋሚ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ህላወ ሰራዊት ኤርትር ኣብ ኵናት ትግራይ፣ ራድዮ ኤረና ዛጊት ከተረጋግጾ እኳ እንተዘይክኣለት፣ ገለ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ እናተበገሰ መጥቃዕታት የካይድ ምህላዉን፣ ኣማኢት ውጉኣቱ ድማ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ተዓቝቦም ከምዘለዉን ግና ኣረጋጊጻ’ያ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 5
  • comment-avatar
    ሚኪ 3 years ago

    ኪዱ ደኣ ኣቱም ከድዓት መልመጽቲ ጻሕሊ ወያነ። ንዘይተረጋገጸ ወረ ደኣ ንምንታይ ኢልኩም ኢኹም ድላይኩም ምስበልኩም ዘይተረጋገጸ ኢልኩም ሰብ ከተጋግዩ ትነብሩ። በዚ ኾነ በቲ፡ ፍተዉ ጽልኡ ወያነ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ብጊዲም ካራ እናትሓርደ፡ ዓዕዕዕዕዕዕ ክብል ከሎ ምራይኩም ጥራይ ዘይኮበስ ክትሕግዝዎ ዘይምኽእልኩም ልዕሊ ኩሉ ንዓና ነዞም ጽሩያት ኤርትራውያን ሓጎስና ወሰን የብሉን።
    ኣኸለ! በቃ! ዓንቀር ወያነ ተበቲኻ ደጊም ጉዳይ ኣብቂዓ ኣላ። ኣትን ሞሻሙሽ ሎኽመኘታት ክንስኹም ንነብስኹም ከም ጋዜጠኛ ትፈልጥዋ፡ ያላ ሕጂ ተስካርኩም ኣብዕሉ።
    ኣቤሎ ደኣ ክብሮም ዳፍላ ሕጂ?
    ኣቤለኻ ደኣ ቢንያም ስምኦን ሕጂ?
    ወረ ኣቤላ እታ ሎቕማጽ ሓረጉ?
    ኣቤለኹም እቶም ራድዮ ‘ኤረና’ ኢልኩም ብሽም’ዛ ሓላል ሃገርና ትሽቅጡ ዝነበርኩም?
    በቃ! ደጊም ኣኸለ። ኣዚ ኩሉ ዓመታት ግዒርክን ወይከ! ሻዕብያ ንዓኹም ነቶም ዘኸድምኹም ጎይቶትኩምን ስሪኡ ኣርኢኩም።
    ትማሊ ተጉባዕጉዕ ዝነበረት ኣሜሪካ ስረ ሻዕብያ ኣህጢምዋ።
    ትማሊ ተጉባዕጉዕ ዝነበረት ኣውሮጳ ስረ ሻዕብያ ኣህጢምዋ።
    ትማሊ ተጉባዕጉዕ ዝነበረት ኣፍሪቃ ስረ ሻዕብያ ኣህጢምዋ።
    ትማሊ ተጉባዕጉዕ ዝነበረት ኢጋድ ስረ ሻዕብያ ኣህጢምዋ።
    ትማሊ ተጉባዕጉዕ ዝነበረት ኢትዮጵያ ሎሚ መን ፈጣሪኺ እንተ’ልካያ ሻዕብያ።
    ካላስ፡ እንታይ ተሪፉ።

  • comment-avatar
    ሜርትራዊ 3 years ago

    ካብ ወያኔ ንላእሊ ወያናይ ኮንኩም። ይርዳእኩም

  • comment-avatar

    Yes u are writ esu EU et haqi ab lbna zelo.

  • comment-avatar
    Berhane Haile 3 years ago

    ሚኪ ዝብሃል ሰብ መጋበርያ ህግደፍ ምዃኑ ጥራይዩ ዘመስክር ዘሎ። ኤረና ዘይከም ካልኦት ማዕከናት ዜና ዝተረጋገጸ ዜና ጥራይያ ተቕርብ። እዚ ሚኪ ብዝብል ስም ዛረፍ ዘሎ ሰብ ግን ስነምግባር ዝጐደሎ ፍንፉን ሰብ ምኳኑ ጥራይዩ ዝገልጸልና ዘሎ። ስለዚ፡ ብዙሕ ትርጕም ዘይምሃቡ።