ኤርትራ፣ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ልዕሊ 120 የመናውያን ናብ ዓዶም ተፋንዮም

Radio Erena: 16 March 2020

ኣብ ኤርትራ፣ በብእዋኑ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳ እናገፈፉ ዝተታሕዙ ኣስታት 120 የመናውያን ናብ ዓዶም ተፋንዮም።

እቶም ኣብ ንኤርትራን የመንን ኣብ ዘዋስን ማያት ዝተታሕዙ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብሑቲ ተላኢኽኩም ኣብ ስለያ ኢኹም ተዋፊርኩም ብዝብል ከቢድ መርመራታት ክካየደሎም ከምዝጸንሐ ነዚ ሓብሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ሓቢሮም።

ዝበዝሑ ካብኣቶም ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ከባቢ ዓሰብ ተኣሲሮም ከምዝጸንሑ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ብልኡኻት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ’ውን መርመራታት ይካየደሎም ምንባሮም ጠቒሶም።

ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብለይቲ ናብ ዓዶም ኣብ ዝተዋፋነውሉ፣ ሓያሎ ካብኣቶም ብምርኩስ ተሰንዮም ናብ ጃልባ ከምዝተሰቕሉ’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

እቶም የመናውያን እሱራት፣ ድሕሪ ምፍናዎም ናብ ወደብ ሖደይዳ ናይ የመን ከምዝኣተው ብወገን ኤርትራ እኳ እንተተጠቕሰ፣ ብወገን ሑቲ ይኹን መንግስቲ የመን ግና ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ኣብ ባሕሪ ዓሳ እናገፈፉ ዝተታሕዙ ይኹኑ፣ ሓይልታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝሓዝዎም ኣማኢት የመናውያን ገና ኣብ ከባቢ ዓሰብ ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ማህሰርቲ ተታሒዞም ከምዘለው እትትቲ ምንጪ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ኤርትራን የመንን ዘሰሓሓባን ክሊ ማይ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ መዓልቦ እኳ እንትተረኸበ፣ ኣብ ጉዳይ ባህላውያን ገፍፍቲ ዓሳ ዝተዋህበ ብህይን ግና ክልቲኤን ሃገራት ክረዳድኣሉ ኣይከኣላን።

ብፋላይ ኣብ ባህላዊ ምግፋፍ ዓሳ ዝተዋፈሩ የመናውያን፣ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ እናተጸግዑ ኣብ ዝገፍሉ እዋን ክተሓዙ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኣብ 2015 ኣብ ልዕሊ የመን ኵናት ድሕሪ ምኽፋተን፣ ኣብ ባሕሪ ዝተሓዙ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ሰለይቲ ሚሊሻ ሑቲ ኢኹም እናተባህሉ፣ ግፍዕታት ከምዝወረዶም ይጥቀስ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ነፈርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብዘካይደኦ ደብዳብ፣ ኣብቲ ንኤርትራን የመንን ዘዋስን ክሊ ማያት እባ ምግፋፍ ዓሳ ዝተዋፈሩ ንጹሃት ሰባት ግዳያት ሞት ክኾኑ ከምዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ይሕብሩ።

 

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0