ኤርትራ፣ ተታሒዞም ዝጸንሑ 35 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ተፋንዮም

Radio Erena: 23 June 2020

ኤርትራ፣ ካብ 2 ሰነ፣ ሒዛቶም ዝጸንሐት 35 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ናብ ዓዶም ከምዘፋነወቶም መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም የመናውያን ብ19 ሰነ ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ ዝሓበራ እተን መርበባት፣ ብምትሕብባር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክፍትሑ ከምዝኸኣሉ ጠቒሰን።

እንተኾነ፣ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ የመን ከምዝተታሕዙ ዝተገልጹ ሸሞንተ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብዛዕባ ምፍትሖም ንጹር ሓበሬታ ኣይተረኽበን።

ሓይሊ ባሕሪ የመን፣ ኣብ ክሊ ማያት ዝቑር ሓኒሽ፣ ኣስታት 120 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝሓዙ ዝወቐሰ መንግስቲ የመን፣ ነቶም 62 ንብረቶም ራስዩ ብኡ ንብኡ ከፋንዎም እንከሎ፣ ነቶም ዝተረፉ ግና ሒዝዎም ከምዘሎ’ዩ መንግስቲ የመን ክወቅስ ጸኒሑ።

ስእሊ፣- ኢንተርነት ኣርካይቭስ

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ምፍታሕ’ስ እንቛዕ ፈጠረሎም። ግዳ ውሽጥና ኣቁሲሉና ዘሎስ ናይቶም ንዓመታት ተዓፊኖም ዘለው ደቒ ሃገረይ እዩ።