ኤርትራ፣ ብ “ይኣክል ” ዝፈለመ ናይ ጻውዒት ዘመተ፣ ብዘተን ምምይያጣትን ይቕጽል ኣሎ

ኤርትራ፣ ብ “ይኣክል ” ዝፈለመ ናይ ጻውዒት ዘመተ፣ ብዘተን ምምይያጣትን ይቕጽል ኣሎ

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነቲ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዞም ዘካይድዎ ዘለዉ፣ ናይ ይኣክል ጻውዒት፣ ብዘተን ምይይጣትን ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ከካብ ቦትኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ዛጊት በጺሑና ካብ ዘሎ ሓበሬታ፣ ኣብ ካናዳን ሽወደንን ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባታት፣ ናይ “ይኣክል” ጻውዒት፣ ናብ ግብራዊ ስጉምቲ ዝሰጋገረሉ መንገድታት ተመያይጦም።

ኣብ ካናዳ፣ ካልጋሪ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብ8 ሚያዝያ ውዕዉዕ ዘተ ከካይዱ እንከለዉ፣ ኣብ ሽወደን ዞባ ያምትላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ድማ ብ28 መጋቢት ፈላሚ ርክባት ምክያዶም ተፈሊጡ።

ኣብ ካልኦት ሃገራትን ከተማታትን’ውን ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ይኣክል ጻውዒት፣ ሰፊሕ ሸፈነ እናረኸበ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ስነ ጥበባውያን፣ ጋዜጠኛታትን ብኣውርኡ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ኤርትራውያን ዘካይድዎ ዘለው ጻውዒት፣ ስቕታ ይኣክል፣ ኤርትራ ናብ ንቡር ምምሕዳር መንግስቲ ትመለስ፣ ቅዋም ይተግበር፣ እሱራት ይፈትሑ፣ ዝብልን ካልእን ጠለባት ዝሓቖፈ’ዩ።

እዚ፣ ምስልኻ እናተራእየ፣ ብቪድዮ ቀሪጽካ ዝግበር ዘሎ ናይ ይኣክል ጻውዒት፣ በብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ኤርትራውያን ንዝጸንሐ ፍርሒ ዝቐንጠጠ’ዩ።

ብውልቂ ጥራይ ዘይኮነ ብእኩብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ይኣክል ጻውዒት ገና ብዙሕ ህዝቢ ክሳተፎ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ናይ ይኣክል ጻውዒት፣ ብፖለቲካ ተፈላልዮም ንዝጸንሑ ሓያሎ ወገናት ናብ ሓደ ዘምጽአ፣ ናይ ማሕበራዊ ሜድያ ምንቅስቓስ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0