ኤርትራ፣ ብጽዑቕ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግፋ፣ ደቆም ዘየረከቡ ወለዲ ይእሰሩ ምህላዎም ተሓቢሩ

Radio Erena: 05 October 2022

ኣብ መላእ ኤርትራ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ጽዑቕ ግፋ፣ ደቆም ዘየረከቡ ወለዲ ይእሰሩ ከምዘለዉ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ጎኒ ጎኒ’ቲ ብደረጃ ሃገር ተመሓላሊፉ ዘሎ ጻውዒት ክተት፣ ኣብ ገጠራትን ከተማታት ብሰፊሕ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግፋ፣ ሃለዋት ደቆም ክሕብሩ ዘይክኣሉ፣ ብዙሓት ወለዲ ይእሰሩ ምህላዎም ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ኣባይቶምን ትካላቶምን ዝተዓሸገ’ውን ከምዘለዉ ኣገንዚቦም።

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኤርትራ፣ ካብ ግፋን ጻውዒት ክተትን ንምህዳም፣ ህዝቢ ኣብ በረኻታት ተሓቢኡ የሕልፎን ገሊኡ ድማ ናብ ስደት የምርሕን ምህላዉ’ውን ተጠቒሱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ከተማ ኣስመራ፣ ጻውዒት ክተት ዘየኽበሩን ሃለዋት ደቆም ክሕብሩ ዘይክኣለኑን ስድራቤታት፣ ብጥቆማ ምምሕዳራት፣ ኩፖን – ወርሓዊ መዐደሊ መቑነን ይሕደጉን ካልእ ምፍርራሓት ይበጽሖም ምህላዉን ‘ዩ ዘመልክት እቲ ኣብዚ ሳልስቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0