ኤርትራ፣ ብጸቕጢ ደም ዝሳቐዪ ዝወሓደ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ዘለወን ሃገራት ዓለም ምዃና ሕክምናዊ መጽናዕቲ ገሊጹ

Radio Erena: 31 August 2021

ብደረጃ ዓለም፣ ብጸቕጢ ደም ዝሳቐ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ፣ ኣብዚ 30 ዓመታት ብልዕሊ ፍርቂ ከምዝወሰኸ፣ ኣብ ሓደጋታት ዘይተላገብቲ ሕማማት ብምትኳር መጽናዕቲ ዘካየደ ማእከል ገሊጹ።

እቲ NCD-RisC ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝተኣከበ ልዕሊ 1200 ሰነዳት ሓበሬታ ምርኵስ ብምግባር ኣብ ዘዳለዎ መጽናዕቲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 1.2 ቢልዮን ህዝቢ ጸቕጢ ደም ወይ ደም ብዝሒ

ዓመታዊ ብገምጋም 8.5 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ጸቕጢ ደም ናይ ሞት ሓደጋ የጓንፎም።

ኣብ 2019 ካብ ዝተኣከበ ሰነድ ድማ፣ 720 ሚልዮን ሰባት ወይ ኣስታት ፍቅሪ ካብቶም ጸቕጢ ደም ወይ ሃይፐርተንሽን ዘለዎም ብዝሒ ሰባት ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ኣይረኽቡን’ዮም።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ካብ ዝተኣከበ ሓበሬታ፣ ምስ ጸቕጢ ደም ካብ ዝነበሩ ልዕሊ 1.2 ቢልዮን ሰባት፣ እተን 626 ሚልዮን ደቂንስትዮ ክኾና እንከለዋ፣ እቶም 652 ድማ ደቂ ተባዕትዮ’ዮም።

እቲ መጽናዕቲ፣ ኣብ 1990፣ ደቂንስትዮ 331 ሚልዮን ደቂ ተባዕትዮ ድማ 317 ሚልዮን ምንባሮም’ዩ ዘመልክተ።

ኣብዚ 30 ዓመታት ጸቕጢ ደም ብዕጽፊ ክዛይድ እንከሎ፣ ምስዚ ጥዕናዊ ኩነታት ዝነብራ ዝወሓዳ ደቂንስትዮ፣ ዝመዝገባ ሃገራት ታይዋን፣ ደቡብ ኮርያ፣ ጃፓን፣ ስዊዘርላንድ፣ ስጳኛን ብሪጣንያን’የን።

ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዝወሓደ መዝገብ ዝተረኽበን ሃገራት ድማ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ባንግላድሽን ደሴታት ሰሎሞንን’የን።

ኣብዘን ሃገራት ተመዝጊቡ ዘሎ ብዝሒ፣ ኣብ ደቂንስትዮ 24% ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ 25% ካብተን ካልኦት ዝጎደለ’ዩ።

ብኣንጻር እዚ፣ ምስ ብዝሒ ህዝበን ብምንጽጻር፣ ልዕሊ ፍርቂ ካብ ብዝሒ ደቂንስትዮ ፓራጓይን ቲቫሉን ጸቕጢ ደም ክህልወን እንከሎ፣ ኣርጀኒትና፣ ፓራጓይን ታጃኪስታንን ድማ ፍርቂ ካብ ብዝሒ ደቂተባዕትዮ፣ ምስዚ ጥዕናዊ ኩነታት ይንበሩ።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ኣገልግልት ዜና ፈረንሳ ተዘርጊሑ ዘሎ መጽናዕቲ ብተወሳኺ፣ ብደረጃ ዓለም፣ 41% ደቂንስትዮ፣ 51% ድማ ደቂተባዕትዮ፣ ጸቕጢ ደም ከምዘለዎም ከይፈልጡ’ዮም ዝነብሩ።

ብዝሒ ደም ዘለዎም ሰባት፣ ከይፈለጡን፣ መርመራን ስሩዕ ሕክምናዊ ክትትል ከይገበሩን ኣብ ዝነብርሉ እዋን፣ ብወቕዒ ክጥቅዑ ዘለዎም ተኽእሎ ዝልዓለ’ዩ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0