ኤርትራ፣ ብደረጃ ሃገር ደም ክልገስ ጎስጓስን ጻውዒት ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 29 September 2022

ኣብ ኤርትራ፣ ብደረጃ ሃገር ደም ክልገስ ጎስጓስን ጻውዒትን ይካየድ ከምዘሎ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ኣብ ኩለን ዞባታት ኤርትራ፣ ደም ክልገሰሉ ኣብ ዝኽእል ከተማታትን ማእከላትን ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስን ጻውዒትን፣ ህዝቢ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብምትእስሳር ይገልጾ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

እቲ ጎስጕስን ጻውዒትን፣ ኣብ ሚኒስትርታትን ትካላት መንግስትን’ውን ይካየድ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ኣብ ኤርትራ፣ ህዝቢ ደም ክልፍግ በብእዋኑ ጎስጓስ ዝካየድ እኳ እንተኾነ፣ እዚ ናይ ሎሚ ግን ኣብ ከባቢታት ተሰነይ፣ ባርነቱ፣ ከረን፣ ባጽዕ፣ ዓሰብን ኣስመራን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታላት፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝቖሰሉ ወትሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይሕከሙ ምህላዎም ብሰፊሑ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0