ኤርትራ፣ ብኣምባሳደራት ሕ.መ.ኣ ኣብ ኢትዮጵያ ነበር ዝቐረበላ ክሲ ነጺጋ

Radio Erena: 31 January 2021

ኣምባሳደራት ኣመሪካ ንምትእትታው ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ንዝሃብዎ መግለጺ፣ ኤርትራ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂባትሉ።
ኤርትራ ብመንገዲ ኤምባሲኣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቢላ ዝሃበቶ ምላሽ፣ እቲ በቶም ኣምባሳደራት ነበር ኣመሪካውያን ዝቐረበ መግለጺ ከምዘጉሃያ ድሕሪ ምግላጽ፣ ጸለመ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ኢላ።
ደቪድ ሺን ዝርከቦም ካብ 1999 ክሳብ 2016 ኣምባሳደራት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፣ ኢትዮጵያ ናብ ምብትታን ከይትኣቱ ኣብ ዝስጋኣሉ ዘሎ እዋን፣ ብሰራዊት ኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ምግሃስ መሰላት ይፍጸም ኣሎ ክብሉ’ዮም ክስታቶም ዘቕርቡ።
ኣቐድም ኣቢሉ፣ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ፣ ኣብቲ ክልል ተፈጺሞም ንዝበሃሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ መርመራ ክግበረሎም ጸዊዑ’ዩ።
መግለጺ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ፣ ንኩሉ’ቲ ዝቐረበ ክስታት እዩ ነጺጉዎ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0