ኤርትራ፣ ብተጠቃምነት ፈይስቡክ ካብ 211 ሃገራት ኣብ መበል 185 ተሰሪዓ

Radio Erena: 11 November 2016

faceEri

ኣብ 211 ሃገራት ዓለም ካብ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ፈይስቡክ፣ ብዝሒ ተጠቀምቲ ካብ ኤርትራ ኣብ መበል 185 ተሰሪዑ ከምዘሎ ዙም ስፌር ቻርትስ ፈይስቡክ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝበዝሐ ህዝቢ ዓለም ዝግልገለሉ ዘሎ ማሕበራዊ ሜድያ ፈይስቡክ ኣብ ኤርትራ ዝወሓደ ተጠቀምቲ ከምዘሎ’ዩ እቲ ሓበሬታ ኣብ ሰነዱ ኣስፊሩ ዘሎ።

ኣብ ዓመት ብገምጋም 65 ሽሕ ተጠቀምቲ ጥራይ ፈይስቡክ ከምዝተጠቀሙ ዝሓበረ እቲ ሰነድ፣ እዚ ድማ ኣብ ዓለም ሓደ ካብቲ ዝወሓደ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ፈይስቡክ ኣብ ከም በዓል ቻይና፣ ሰሜን ኮርያ፣ ኩባን ዝኣመሰላ ሃገራት ክልኩል ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣህጉራዊ ጸብጻባት ከምዘመልክቶ፣ ብገምጋም 3 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ’ዩ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ናይ ኣገልግልሎት ኢንተርነት ዕድል ረኺቡ ዘሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ዝርካቡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ንምቁጽጻር፣ ኢንተርነት ካፈታት፣ መንነት ወረቐት ብምሕታትን ምሉእ ስምን ኣድራሻን ብምምዝጋብን ኣገልግሎት ክህባ ኣገዲዱወን ምህላዉ ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0