ኤርትራ፣ ብረት ዝዓጠቑ፣ ኣብ ክሊ ዕድመ 65 ዓመት ዝርከቡ ኣቦታት ካብ ሃገር ከይወጹ ይኽልከሉ

Radio Erena: 26 May 2022

ኣብ ኤርትራ፣ ብረት ዝዓጠቑ፣ ኣብ ክሊ ዕድመ 65 ዝርከቡ ኣቦታት፣ ካብ ሃገር ከይወጹ መምርሒ ከምዝተመሓላለፈ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ኣቐዲሙ እቲ መምርሒ፣ ካብ 55 ክሳብ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ኣብ ዕቑር ሰራዊት ንዝርከቡ ኣቦታት ጥራይ ዝምልከት እኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ክሊ ዕድመ 65 ዓመት ደዪቡ ኣሎ።

ልዕሊ 65 ዓመት ኮይንና፣ ብረት ተረከቡና ንዝበሉ ኣቦታት ድማ፣ ካብ ምምሕዳር መሰነይታ ድጋፍ ክሕተቱ እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ኩሎም ኣብቲ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ኣቦታት ምስ ብረቶም ክጸንሑን ካብ ሃገር ድማ ከይወጹን ዝእግድ መምርሒታት’ዩ ተመሓላሊፉ ዘሎ።

ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ዕጡቓት ኣቦታት፣ ደቆም ንምርኣይ ይኹን ንኻልእ ጉዳያት ናብ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራትን ክገሹ ኣብ ዝደልይሉ እዋን፣ ብረቶም ብስርዓት ከረክቡን ብምምሕዳር ድማ ደገፍ ክጽሓፈሎም ምጽንሑ ይፍለጥ።

በዚ ሓድሽ መምርሒ ግና፣ ኣብ ክሊ 65 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ’ውን እንተኾኑ፣ ብሕማም ወይ ፍሉይ ምኽንያት እንተዘይኮይኑ፣ ካብ ሃገር ክወጹ ኣይክፍቀደሎም’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣቦታቶም ኣብ ሰራዊት ዝርከቡ ሓያሎ ስድራቤታት፣ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምእታው፣ ሓድሽ ህይወት ይጅምሩ ምህላዎም በብእዋኑ ጸብጻባት ይውሕዙ ኣሎ።

ገለ ስድራቤታት፣ ብቤተሰብ እናተደገፋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓድሽ ህይወት ክጅምራ እንከለዋ፣ ካልኦት ድማ ናብ ኡጋንዳን ኬንያን ይሰጋገራ ምህላወን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኵናትን ስግኣት ተጻብኦታትን፣ ከምኡ ድማ እቲ ኩነታት ዝፈጠሮ ዋሕዚ ናብ ስደትን፣ ምብትታን ስድራቤታት ካብ ዝጅምር ልዕሊ 25 ዓመቱ ኣሕሊፉ ይርከብ።

ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን እንተኾነ፣ ዋሕዚ ናብ ስደት ብስግረዶብ ብመጠኑ ከምዝቐነሰ ዝንገር እኳ እንተኾነ፣ ስድራቤታት፣ ብእኩብን ሕጋዊ መንገዲን ናብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ምግዓዝ ግና ገኒኑ ኣሎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0