ኤርትራ፣ ብማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ተፈላጥነት ዘለዎ ኣህጉራዊ ዙር 2017 ከተእንግድ’ያ

Radio Erena: 04 April 2017

Tour Er 2017

ኤርትራ ብማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (UCI) ተፈላጥነት ዘለዎ ዙር 2017 ከተእንግድ ምድላዋት ተካይድ ከምዘላ ወኪል ሬድዮ ኤረና ሓቢሩ።

እቲ ናይ 2.2 መዐቀኒ ዘለዎ ኣህጉራዊ ዙር ኤርትራ 2017፡ ካብ 18 ክሳብ 22 ሚያዝያ ክካየድ’ዩ።

ብመሰረት ወኪል ኤረና ዝልኣኾ ሓበሬታ፣ ኣብ’ዚ ንሓሙሽተ መድረኻት ዝቕጽል ውድድር፡ ኤርትራ ብሰለስተ ጋንታታት ክትውከል እንከላ፣ ካብኣተን እታ ሓንቲ፡ ብደረጃ ሃገራዊት ጋንታ ዝተጠርነፈት ክትከውን’ያ።

እተን ክልተ ግን፡ ኣብ ዞባ ማእከል ዝነጥፋ ክለባት ኣስቤኮን ሰንበልን እየን።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ’ዚ ዙር የድምዑ እዮም ንዝበለቶም ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ፡ ድሮ መሪጻ ኣላ።

እቶም ብመንገዲ ኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን ተሓርዮም ዘለዉ ተቐዳደምቲ፡ ተስፎም ዑቕባማርያም፣ ሜሮን ኣብርሃም (ሸቃ)፣ ዘመንፈስ ሰለሙን፣ ኣማኑኤል ጸጋይ፣ ሳይሞን ሙሴን መሓሪ ተስፋጽዮንን’ዮም።

ኣብ ዙር ኤርትራ 2017 ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጻ ሃገራውያን ጋንታታትን ክለባትን ክሳተፋ ምዃነን፡ ይሕበር እኳ እንተሎ፣ መነ መን ምዃነን ግን፡ ክሳብ ሕጂ ዝተነጸረ ነገር የለን።

ናይ’ዚ ዓመት ዙር ኤርትራ፡ ቀዳማይ መድረኽ ካብ ድባርዋ ናብ ከረን፡ ካልኣይ መድረኽ፡ ካብ ከረን ናብ ባረንቱ፡ ሳልሳይ መድረኽ፡ ካብ ዓደርደ ናብ ኣስመራ፡ ራብዓይ መድረኽ ካብ መንደፈራ ናብ ምጽዋዕ፡ ሓሙሻይ መድረኽ ካብ ምጽዋዕ ናብ ኣስመራ ክሽፍን እዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0