ኤርትራ፣ ሳልሳይ ናይ ዕደና ፕሮጀክት ፍርያቱ ንዕዳጋ ንምቕራብ ይዳሎ

ኤርትራ፣ ሳልሳይ ናይ ዕደና ፕሮጀክት ፍርያቱ ንዕዳጋ ንምቕራብ ይዳሎ

Radio Erena: 27 August 2018

China gold

ኣብ ኤርትራ ዕደና ካብ ዘካይዱ ዘለዉ ኩባንያታት ቻይና ሓደ ዝኾነ ሲሹዋን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ፍርያቱ ንዕዳጋ ንምቕራብ ይዳሎ ከምዘሎ ማይኒንግ ዊክሊ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ናይ ዕደና ፕሮጀክት ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ፣ ዳህሳስን ኩዕታን ዘካይደሎ ዘሎ ማዕድናት ነሓሰ፣ ዚንጎ፣ ወርቅን ብሩርን’ዩ።

እዚ ናይ ቻይና ኩባንያ ኣብ 2019 ንፍርያት እንተበቂዑ፣ ድሕሪ ኔቭሰን ሻንጋይ ስፌኮን ሳልሳይ ክኸውን’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዕደና ካብ ዘካይዱ ዘለዉ ኣስታት 16 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት፣ ኣብ ቢሻ ዕደና ወርቂ፣ ነሓሰን ዚንጎን ዕደና ዘካይድ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን ከምኡ ድማ ኣብ ዛራ ዕደና ወርቂ ዘካይድ ዘሎ ናይ ቻይና ኩባንያ ሻንጋይ ስፌኮ፣ ናብ ፍርያት ዝበቕዑ’ዮም።

ኣብ ከባቢ ኣስመራ፣ ዓዲ ነፋስ፣ እምባ ደርሆ፣ ጉፖን ድባርዋን ዕደና ዘካይድ ዘሎ ናይ ቻይና ሲሹዋን፣ ኣብ ደንካልያ ዕደና ፖታሽ ዘካይድ ዘሎ ናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ ዳናካሊን ከኣ ኣብዚ ዝመጽእ ዓመት ነዘን ክልተ ንፍርያት ዝበቕዓ ኩበንያታት ክጽንበርወን ትጽቢት ኣሎ።

ቀዳማይ ፍርያቱ ንዕዳጋ ዘቕረበ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ካብ 2010 ኣትሒዙ ንኤርትራ ናይ ልዕሊ 700 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ከምዘምጽኣላ’ዩ ዝንገር።

እዚ ኩባንያ፣ ንኣባላት ሃገራዊት ኣገልግሎት ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ብምውፋሩ ኣብ ካንዳ ፍርዲ ተመስሪትሉ ኣብ መስርሕ ይርከብ።

ኣብ ኩለን’ተን ናይ ወጻኢ ዕደና ኩባንያታት 40 ሚእታዊት ብርኪ ዘለዎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኣታዊታቱ ይኹን ወጻኢታቱ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ብዘይብሉ መንገዲ የሰላስሎ ከምዘሎ ይውቐስ።
=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0