ኤርትራ፣ ምስ ጃምላዊ ዘቤታዊ እቶታ ብምንጽጻር፣ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ ውሽጣዊ ዕዳ ዘለዋ ሃገር ምዃና ተገሊጹ

Radio Erena: 24 March 2022

ኤርትራ፣ ምስ ጃምላዊ ዘቤታዊ እቶታ – ወይ GDP ብምንጽጻር፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ውሽጣዊ ዕዳ ዘለዋ ሃገረ ተባሂላ ኣብ ቅድሚት ከምእትስራዕ፣ ኣብ ፊናንስን ቁጠባን ብምትኳር ንዝተኻየደ መጽናዕታት ብምውካስ፣ ቢዝነስ ኢንሳይደር ገሊጹ።

እዚ ማለት፣ ኤርትራ ዓመታዊ ካብ እተፍርዎም ነገራት ክትረኽቦ እትኽእል ጃምላዊ እቶታት ንላዕሊ፣ ተውጽኦ’ዩ ዝበዝሕ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ዘቤታዊ ወይ ውሽጣዊ ዕዳ ኤርትራ፣ 175% ይበጽሕ።

ምስ ኤርትራ ተመሳሳሊ ዕዳ ዘለወን ተባሂለን ተዘርዚረን ዝርከባ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ብቅደም ተኸተል፣ ኬፕ ቨርደ፣ ሞዛምቢክ፣ ኣንጎላ፣ ሞሪሽየስ፣ ዛምብያ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖሊክ ኮንጎ፣ ጋና፣ ጋምብያ፣ ሲሸልስ፣ ጊኒ ቢሳው፣ ርዋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ጋቦን፣ ሰኔጋል፣ ሰራልዮን፣ ናሚብያ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ደቡብ ሱዳንን’የን።

ባንክ ዓለም ኣቐዲሙ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ’ውን ኤርትራ ምስተን ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዘቤታዊ ዕዳ ዝርከባ ሃገራት ኣስፊሪዋ’ዩ።

ብኣንጻር እዚ ኤርትራ፣ ምስ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምንጽጻር፣ ዝወሓደ ኣህጉራዊ ዕዳ ዘለዋ ሃገር’ያ።

እዛ ምስ ቀዳማት 10 ድኻታት ሃገራት ዓለም እትስራዕ ኤርትራ፣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት፣ ካብ ብፍርያት ዝርከብ ጃምላዊ እቶታ ንላዕሊ ወጻኢታት ምዝያዱ፣ ንማክሮ ቁጠባን ናይ ወጻኢ ወፍሪን እታ ሃገር ብኣሉታ ከምዝጸሉ ተንተንቲ የረድኡ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0