ኤርትራ፣ ‘ማይ ክትሸጡ ተረኺብኩም’ ዝተባህሉ ብገንዘብ ተቐጺዖም

ኤርትራ፣ ‘ማይ ክትሸጡ ተረኺብኩም’ ዝተባህሉ ብገንዘብ ተቐጺዖም

Radio Erena: 24 September 2018

boT asmera     መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝኸፍአ ደረጅኡ በጺሑሉ ዘሎ እዋን፣ ሓያሎ ሰባት፣ ማይ ክትሸጡ ተረኺብኩም ብዝብል ክሲ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ተበዪኑሎም።

     ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣገልግሎት ማይ ደው ካብ ዝብል ልዕሊ 2 ወርሒ ኣቑጺሩ ከምዘሎ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ካብ ዲጋታትን ዒላታትን፣ ካብ ካንቸሎታት ዝርከብ ማይ ጨው ከይተረፈ ሸይጥኩም ዝተባህሉ ሰባት እዮም እዞም ብገንዘብ ተቐጺዖም ዘለዉ።

     ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ መሰረት እቶም ዝተቐጽዑ ሰባት፣ ካብ 300 ሽሕ ክሳብ 1.5 ሚልዮን ናቕፋ ክኸፍሉ ተበዪኑሎም ኣሎ። ሓያሎ ካብቶም ተቐጺዖም ዘለዉ ሰባት፣ ልዕሊ ዓቕምና ኮይኑ ሓግዙና ብምባል ናብ ህዝቢ ይዞሩ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

 

     ነዚ ዋሕዲ ማይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከም ናይ መኽሰብ ዕድል ተጠቒሞም ኢትዮጵያውያን ነጋዶ ናብ ኤርትራ ዘእትዉዎ ዘለዉ ንጥዕና ሓደገኛ ዝኾነ ዕሹግ ማይ፣ ህዝቢ ብብዝሒ ክገዝኦ እዩ ተራእዩ።

     ነዚ ብዝምልከት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ‘’ክላሲ‘’ ዝተባህለ ዕሹግ ማይ፣ ጽሬቱ ዝሓለወ ብዘይምዃኑን ንጥዕና ሓደገኛ ምዃኑን ብምምርማር፣ እቲ ትካል ምህርቱ ደው ከብል ኣዚዙ’ዩ።

     ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ እቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዘሎ ዕሹግ ማይን ቪታ ዝተባህለ ምህርቲ ፓስታን፣ ንጥዕና ሓደገኛ’ዩ ኣይትግዝእዎ ዝብል ሓበሬታ ምውጽኡ ዘየዕገቦም ተቐማጦ ከተማ ኣስመራ፣ ዶብ ፍኑው ገዲፉ ንዕዳጋታት ኣስመራ ከምዝናወጽ እንዳገበረ ብምልክታ ምሕላፉ ከምዘቖጠዖም እዮም ዝገልጹ።

     ኣብ ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ እውን እንተኾነ፣ ኣገደስቲ ፍጻሜታት ኣብ ዝካየደሉ እዋን፣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከምዝቋረጽ፣ እዚ ከኣ ህዝቢ ሓበሬታ ንኸይረክብን፣ ህሉዉ ዜናታት ሃገሩ ካብ ካልኦት ማዕከናት ዜና ንኸይረክብን ኮነ ኢልካ ዝግበር’ዩ ክብሉ ምንጭታትና ብተወሳኺ የረድኡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0