ኤርትራ፣ መጻረዩ ኣብ ቀጠር ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም፣ ምስ ናሚብያ ክትገጥም’ያ

Radio Erena: 01 August 2019

ኤርትራ፣ መጻረዩ ናይቲ ኣብ 2022 ኣብ ቀጠር ዝካየድ ዋንጫ ዓለም፣ ምስ ናሚብያ ፈላሚ ግጥም ከተካይድ’ያ።

ፊፋ፣ ብሰኑይ 29 ሓምለ፣ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ መጻረዪ መድብ ናይተን፣ ኣብ ኵዑሶ እግሪ ዝተሓተ ብቕዓት ዘለወን 28 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራን ናሚብያን፣ ንቀዳማይ እግሪ ግጥም ኣብ ወርሒ መስከረም ክራኸባ’የን። ካልኣይ እግሪ ግጥም ድማ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ክሰላሰል’ዩ።

ኣብ ኵዕሶ እግሪ ዝተሓተ ብቕዓት ዘለወን 28 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ቅድሚ’ቲ ወግዓዊ ናይ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ምጅማሩ፣ ሓድሕደን ክፈታተና’ዩ ፊፋ ነቲ መደብ ሰሪዕዎ።

ኣብዚ ናይ መጻረዩ ግጥማት ዝሓለፋ 14 ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፣ ምስተን ድሮ ምድበን ዝጽበያ ዘለዋ 26 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብሓባር ኣብ 10 ጉጅለታት ተደላዲለን፣ ናብ ቀጠር ዘጓዕዘን ወግዓዊ ግጥማት ክጽበየን’ዩ።

ወግዓዊ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ መጋቢት 2020’ዩ ክጅምር።

ኤርትራ፣ ብብቕዓት ኵዕሶ እግሪ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ 55 ሃገራት ኣብ መበል 54 ክትስራዕ እንከላ፣ ብደረጃ ዓለም ኣብ መበል 202 ትርከብ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ምስ ኤርትራ ናይ መጻረዩ ግጥም እተካይድ ናሚብያ ብወገና ኣብ ኣፍሪቃ መበል 30፣ ኣብ ዓለም ድማ መበል 121 ደረጃ ሒዛ ኣላ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0