ኤርትራ፣ መጠን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ዕዳጋ ምዝንባዕ ይፈጥር

ኤርትራ፣ መጠን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ዕዳጋ ምዝንባዕ ይፈጥር

Radio Erena: 07 June 2018

edaga ekliመንግስቲ ኤርትራ፣ ንምንቕስቓስ ባጤራ ናቕፋ ብምድራት፣ ንመጠን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ከምዝተቖጻጸሮ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ዕዳጋ ምዝንባዕ ተፈጢሩ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ መሰረታዊ መግብታት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ማሸላ ወዲ ዓከር፣ ኣስታት 2 ሽሕ ናቕፋ ይሽየጥ ምህላዉ ከም ኣብነት ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ እዚ ድማ ብመጽር እቲ ዘሎ መጠን ናይ ወጻኢ ሸርፊ፣ ዋጋኡ ልዕሊ 100 ዶላር ኮይኑ’ሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ሓደ ሚእቲ ዶላር 1600 ናቕፋ ክሽረፍ እንከሎ፣ ማሸላ ወዲ ዓከር ከኣ ኣስታት 2 ሽሕ ክትሽየጥ ምኽኣሉ፣ ዕዳጋን መስርሕ ዑደት ባጤራን መጠን ናይ ወጻኢ ሸርፍን ተዘናቢዑ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ከም መግቢ እንስሳስ ዝግለጽ ማሸላ ወዲ ዓከር፣ ንሓደ ኩንታል ልዕሊ 100 ዶላር ክሽየጥ ምናልባት ኣብ ኤርትራ ጥራይ’ዩ ዝኸውን ክብሉ’ውን ትንታነታቶም ይብሉ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0