ኤርትራ፣ መራሕቲ ሃገራት ምብጻሕ ካብ ዘየካይዱ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኣቝጺሩ

ኤርትራ፣ መራሕቲ ሃገራት ምብጻሕ ካብ ዘየካይዱ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኣቝጺሩ

Radio Erena: 19 June 2018

foreiign affairs etitrea

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ናብ ኤርትራ ዝኾነ መራሒ ሃገር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘይምክያዱ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ’ውን ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ተነጺሉ ከምዘሎ ዘጉልሕ ምዃኑ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዲፕሎማሰኛታት ሓቢሮም።

እቶም ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት፣ ንሓደ መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ተነጽሎ ከጋጥሞ ኣብ ሒደት ሃገራት ጥራይ ዘሎ ተርእዮ ምዃኑ ብምግንዛብ፣ እዚ ድማ ውጽኢት ፖሊሲ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ምዃኑ ኣረዲኦም።

ውሽጣዊ ኩነታት እቲ መንግስቲ’ዩ ንፖሊሲ ናይ ወጻኢ ዝምድናታቱ ዝጸሉ ዝበሉ እቶም ዲፕሎማሰኛታት፣ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝኣክል ዑደት ዝገበረ መራሒ ሃገር የለን ምባል፣ ስራሕ መንግስቲ ደስኪሉ ኣሎ ምባል’ዩ ዝቐልል ክብሉ ደምዲሞም።

ናብ ኤርትራ ናይ መወዳእታ ምብጻሕ ዘካየደ መራሒ ሃገር፣ ኣሚር ቀጠር ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ታኒ ኮይኑ፣ ብጉዳይ ምሩዃት ጅቡቲ ንምዝርራብ ኣብ ታሕሳስ 2015 ዘካየዳ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ምብጻሕ’ያ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ‘ውን እንተኾነ ኣብዚ ሰለስተ ዓመታት ዘካየዶ ወግዓዊ ዑደታት ናብ ቀጠር፣ ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ጥራይ ምንባሩ ዘዘኻኸሩ እቶም ዲፕሎማሰኛታት፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝተፈላለየ ጉዳያት ማእከል ስሕበት ዲፕሎማሲ ኮይኑ ኣብ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ጉዳያት ተነጺሉ ተሪፉ ምህላዉ ኣገንዚቦም።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0