ኤርትራ፣ ሓድሽ ወደብ ናይ ምህናጽ ሓሳብ ከምዘለዋ ተገሊጹ

ኤርትራ፣ ሓድሽ ወደብ ናይ ምህናጽ ሓሳብ ከምዘለዋ ተገሊጹ

Radio Erena: 23 August 2018

Alem KibrAb

ኤርትራ፣ ሓድሽ ወደብ ናይ ምህናጽ መደብ ከምዘለዋ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ ዕደና ኣቶ ኣለም ክብርኣብ ምስ ማዕከን ዜና ብሉምበርግ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ከባቢ ገማግም ኣንፊለ፣ ክህነጽ ዝሕሰብ ዘሎ ሓድሽ ወደብ፣ ንሰድድ ፖታሽ ዝዓለመ ምዃኑ ኣቶ ኣለም ኣፍሊጡ።

ገማግም ኣንፊለ፣ ካብ ጢዖ ንሰሜን ዝርከብ ኮይኑ፣ ካብቲ 1.2 ቢልዮን ሜትሪክ ቶን ዕቑር ሃብቲ ፖታሽ ከምዘለዎ ዝግለጽ ዘሎ ዕደና ኮሉሊ 75 ኪሎሜተር ንምብራቕ ርሒቑ ይርከብ።

ብመሰረት ኣቶ ኣለም ንብሉምበርግ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ናብ ፍርያት ክበጽሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ፖታሽ ናብ ወጻኢ ሃገራት ንምልኣኽ’ዩ ኣብ ገማግም ኣንፊለ ዝምችእ ወደብ ንምህናጽ መጽናዕቲ ዝካየድ ዘሎ።

ምስዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዓት፣ እቲ ዝህነጽ ሓድሽ ወደብ፣ ነቲ ኢትዮጵያ እተፍርዮ ፖታሽ ንምልኣኽ’ውን ከገልግል ከምዝኽእል ይግመት።

ኢትዮጵያ’ውን ብተመሳሳሊ፣ ኣብቲ ከባቢ ናይ ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክት ዕደና ፖታሽ ተካይድ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ፍርያታ በቲ ልዕሊ 120 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ ወደብ ጅቡቲ ካብ ምልኣኽ በዚ ሓድሽ ናይ ኤርትራ ወደብ ክትጥቀም ከዋጻእ ከምዝኽእል ይግምገም።

ናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ ዳናካሊ፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ምስ ዝውነን ሃገራዊ ኮርፐረሽን ዕደና ብምሽራኽ፣ ኣብ ደንካልያ፣ ከባቢ ኮለሊ ናይ 320 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክት ዕደና ፖታሽ ጀሚሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ፕሮጀክት ዕደና፣ ኣብዚ ዝቕጽል ክልተ ዓመታት ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ፣ ፍርያቱ ዓመታዊ ናብ ልዕሊ 472,000 ቶን ክብ ክብል ትጽቢት ኣሎ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕደና ዘካይዳሉ ዘለዋ ሰፊሕ ክፋል ዳንካልያ፣ ብብዝሒ ዕቑር ሃብቲ ናይቲ ንዱኽዒን ካልእ መዓላታትን ዘገልግል ፖታሽ ዝተባህለ ማዕድን ብቀዳምነት ካብ ዝጥቀሱ ዞባታት ዓለምና’ዩ።

ስእሊ፣ ብሉምበርግ
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0