ኤርትራ፣ ሎሚ ኣብ ዝተኸፍተ ኣህጉራዊ ውድድር ብሽክለታ  La Tropicale Amissa Bongo ትሳተፍ ኣላ

ኤርትራ፣ ሎሚ ኣብ ዝተኸፍተ ኣህጉራዊ ውድድር ብሽክለታ La Tropicale Amissa Bongo ትሳተፍ ኣላ

Radio Erena: 15 January 2018

Nationl Team

ኤርትራ፣ ሎሚ ሰኑይ 15 ጥሪ ኣብ ኣብ ጋቦን ኣብ ዝተኸፍተ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኣህጉራዊ ውድድር ብሽክለታ La Tropicale Amissa Bongo ትሳተፍ ኣላ።

ኣብ’ዚ 2.1 መዐቀኒ ዘለዎ ቅድድም ንምስታፍ፡ ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንተቐዳደምቲ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ሚኪኤል ሃብቶም (ጎሚስታ)፡ ዘመንፈስ ሰለሙን፡ ሲራክ ተስፎም፡ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ሳይሞን ሙሴን ሒዛ’ያ ቀሪባ ዘላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኤሪቴል ናብ ጀርመናዊት ክለብ ባይክ አይድ ዝተሰጋገረ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ሜሮን ኣብርሃም (ሸቓ) ‘ውን፡ ንመጀመርያ ግዜ ነዛ ሓዳስ ጋንትኡ ወኪሉ ኣብ’ዚ ውድድር ክቐዳደም እዩ።

ሜሮን፡ ሻምፕዮን ውድድር ጽርግያ ኤርትራ 2017 ብምዃኑ፣ ኣብ’ዚ ውድድር ብባንዴራ ኤርትራ ዝማዕረገት ማልያ ጀርመናዊ ክለብ ባይክ አይድ ለቢሱ ክወዳደር’ዩ።

ክሳብ 21 ጥሪ ዝቕጽልን፣ 7 መድረኻት፡ 1,011 ኪሎ ሜትር ዝሽፍንን ናይ ሎሚ ዓመት፡ ውድድር ቱር La Tropicale Amissa Bongo፡ 9 ሃገራውያን ጋንታታትን፡ 6 ኮንቲነንታል ክለባትን ይሳተፍኦ ኣለዋ።

ቱር La Tropicale Amissa Bongo ኣብ ናይ 12 ዓመታት ታሪኹ፡ ክልተ ኣፍሪቃውያን ጥራይ ክዕወትሉ እንከለዉ፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ናትናኤል ብርሃነ፡ ንፈረንሳዊት ክለብ ዩሮፕካር ወኪሉ ኣብ 2014 ብጫ ማልያ ዝወነነ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ’ዩ።

እዚ ን10 ዓመታት ብኤውሮጳውያን ተቐዳደምቲ ዝተዓብለለ ውድድር፡ ኣብ 2015 ድማ ፣ ንናይ ዱባይ ክለብ ዝወከለ ቱኒዝያዊ ራፋይ ችቲዎይ ካልኣይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ንምዃን ከምዝበቕዐ ይዝከር።

ኣብዚ ውድድር፣ ኣብ 2012 ኤርትራዊ ሜሮን ርእሶም፣ ከምኡ’ውን ኣብ 2017 ኤርትራዊ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ብውህሉል ግዜ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ኣብ መድረኽ ሽልማት ንኽድይቡ በቒዖም ምንባሮም ኣይርሳዕን።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0