ኤርትራውያን ዝርከብዎም 83 ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ድሒኖም

ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሰት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ መኣዝና ኣጥፊኣ ኣብ ናይ ምትሓል ሓደጋ ኣብ ዝነበረትሉ እቶም ስደተኛታት ብቱኒዝያውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክድሕኑ ከምዝኸኣሉ ኣል ዓረብያ ሓቢሩ።

    እቲ ማዕከን ዜና ንሚኒስተሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ማሕበር ቀይሕ ወርሕን ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ዝርከብዎም 83 ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ዝተበገስሉ እዋን’ዩ እታ ጃልባ መኣዝና ብምጥፋእ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዘንጸላለዋ።

    ኣብታ ጃልባ ካብ ዝነበራ 13 ደንቂንስትዮ፣ ሓንቲ ካብኣተን ነፍሰ ጾር ከምዝነበረትን ኣብ እዋን እቲ ህይወት ናይ ምድሓን መስርሕ ድማ ከምዝሓረሰትን ወኪል ቀይሕ ወርሒ ካብ ቱኒዝያ ሞንጊ ስሊም ንኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

    እቶም ብገፈፍቲ ዓሳ ቱኒዝያ ካብ ናይ ምትሓል ሓደጋ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብቲ ምስ ሊብያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ዝርከብ መዓስከር ቤን ጉርዳን ከምእተወስዱ’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0