ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 1500 ስደተኛታት ካብ እስራኤል ብወለንትኦም ክወጹ’ዮም ተባሂሉ

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 1500 ስደተኛታት ካብ እስራኤል ብወለንትኦም ክወጹ’ዮም ተባሂሉ

Radio Erena: February 20, 2014

Deport Isra

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 1500 ስደተኛታት፣ ካብ እስራኤል ብወለንትኦም ክወጽ’ዮም ክብል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እዞም ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ካብት ኣሃገር ብወለንቶም ክወጹ’ዮም ዝብሎም ዘሎ ኣስታት 1500 ስደተኛታት መብዛሕቶም ሱዳናውያን ምዃኖም ዝተፈልተ ኮይኖ፣ ቁጽሪ ናይቶም ክምለሱ’ዮም ዝብሃሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ግና ኣይተነጸረን።

 

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል፣ ቁጽሪ ናይቶም ብወለንትኦም ክምለሱ ዝደልዩ ስደተኛታት ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ብምጥቓስ ብእወታ ከምዝርእዮ እኳ እንተሓበረ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግና እታ ዴሞክራሲ ኣለዋ እትብሃል ሃገረ እስራኢል ስደተኛታ ብምግፋዕን ፈቐዶ ቤት ምእሰርቲ ብምዳጓን ካብታ መሬታ ክወጹ ተገድድ ምህላዋ’ያ ትንቀፍ።

ኣብ 2012 461 ስደተኛታት ብወለንትኦም ካብታ ሃገር ከምዝወጹ ዝተቐሰ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ኣብ 2013 ግና እቲ ቁጽሪ ናብ 2612 ከምደየበ ኣፍሊጡ።

ካብቶም ብወለንትኦም ካብ እስራኤል ወጺኦም ዝተባህሉ 2612 ድማ እቶም 1955 ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

ካብቶም መንግስቲ እስራኤል ብወለንትኦም ወጺኦም ዝበሎም ኤርትራውያን ዝበዝሑ ናብ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ዝተመልሱ ኮይኖም ሓያሎ’ውን ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ከምዘለዉ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ። ===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0