ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ኢጣልያ ኣትያ

Radio Erena: 22 February 2023

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 156 ስደተኛታት ብ19 ለካቲት ናብ ኢጣልያ ኣትዮም።

ክልተ ደቂ ኣንስትዮን 28 ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ዝርከብዎም 156 ስደተኛታት 16 ለካቲት ካብ ሊብያ ብምብጋስ፡ ብሓገዝ ናይ ህይወት ኣድሕን መርከብ ናብ ኢጣልያ ኣትዮም።

ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሳ ክልተ ጀላቡ፡ እታ ሓንቲ 46 ስደተኛታት ዝጸዓነት ክትከውን እንከላ፡ ኣብታ ካልኣይቲ ከኣ 110 ስደተኛታት ምንባሮም ተገሊጹ።

እዞም ዜጋታት ኤርትራ፡ ሱዳንን ባንግላድሽን ዝርከብዎም ስደተኛታት፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረት ኣብ ህይወት ኣድሕን ብእትነጥፍ The Life ዝተባህለት መርከብ እዮም ህይወቶም ድሒኖም።

እቶም ስደተኛታት ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጉዕዞ ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝበጽሕሉ ግዜ ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት፡ ኣብ ሊብያ ብኣሰቃቒ ኲነታት ከም ገላዩ ተታሒዞም ምጽንሖም ሓቢሮም።

ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተፈላለየ ግፍዕታት ከም ዝፍጸም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ሰብ መዚ ሊብያ ብዝገብርዎ ጥቡቕ ምቁጽጻርን፡ ኢጣልያ ስደተኛታት ዝሓዛ መራኽብ ኣብ ዶባታ ከይጽግዓ ብዝገበረቶ እገዳን፡ ቁጽሪ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም፣ ሓደገኛ ጉዕዞ ብምግባር ናብ ኤውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት እናነከየ ምምጽኡ ይግለጽ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0