ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ዶብ ፈረንሳን ብሪጣንያን ንዝህነጽ ሓጹር ተቓውሞ ገጢምዎ

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ዶብ ፈረንሳን ብሪጣንያን ንዝህነጽ ሓጹር ተቓውሞ ገጢምዎ

Radio Erena: 19 December 2014

Calais Wall

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ንምግታእ ዝዕላምኡ፣ ንፈረንሳን ብሪጣንያን ኣብ ዘራኽብ ገማግም ባሕሪ ካሌ፣ ሓጹር ከይህንጽ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ትማሊ ሓሙስ 18 ታሕሳስ ተኻይዱ።

እቲ ኣብ ካሌ ዝርከቡ ስደተኛታትን ምስ ስደተኛታት ዝደናገጹ ፈረንሳውያንን 10ታት ማሕበራት ግብረ ሰናይን ዝተሳተፍዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ እቲ ስደተኛታት ንምግታእ ዝህነጽ ሓጹር ኣንጻር ሰብኣውነት’ዩ ክብሉ ኮኒኖሞ።

ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ዝተኣኻኸቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ብሪጣይና ከይሰግሩ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘሎ ጽኑዕ መቖጻጸሪ፣ ኣስታት ሰለስተ ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ሓጹር ንምህናጽ መደብ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

 

እቲ መደብ ኣቐዲሙ ብብሪጣንያ ዝቐረበ ኮይኑ፣ ከንቲ ከተማ ካሌ ናታሻ ቡሸር ግና ብሪጣንያ እንተደልያ እቲ ሓጹር ኣብ መሬታ ደኣ’ምበር ኣብ መሬታ ፈረንሳ ክትከል ከምዘይትፈቕድ ብወግዒ ኣፍሊጣ’ያ።

እታ ከንቲባ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ካሌ መፍትሕ ክረኽበሉ ንመንግስቲ ፈረንሳ ጸቕጢ ክትገብር እኳ እንተጸንሐት፣ ነቲ ኣብ መሬት ፈረንሳ ሓጹር ክህነጽ ዝብል ሓሳብ ብሪጣጣን ግና ብትሪ ተቓዊማቶ ኣላ።

እንተኾነ ብሪጣንያን ፈረንሳን ሕጂ’ውን ብጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ክረዳድኣ ብዘይምኽኣለን፣ ብሪጣንያ ነቲ ሓጹር ናይ ምህናጽ ሓሳብ ደጊማ ከተቕርቦ ትስማዕ ኣላ።

ኣብ ወደብ ካሌ ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከብዎም ልዕሊ 1500 ስደተኛታት ተኣኻኺቦም ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዘሎ ቀዝሕን በረድን ንምድሓኖም መንገስቲ ፈረንሳ ግዝያዊ መዕቆቢ ሃኒጹ ምህላዉ’ዩ ዝጠቕስ።

ኣዝዮም ብዙሓት ካብቶም ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሕልኑ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብምዃኖም፣ መንግስቲ ብሪጣንያ ጎኒ ጎኒ’ቲ ምስ ፈረንሳን ሃገራት ኤውሮጳን ዘካይዶ ዘሎ ዝርርብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘተኮረ ርክብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣስመራ ምክያድ ተገሊጹ’ዩ።

ብዘይካ ብሪጣንያ፣ ሽወደን፣ ደንማርክ፣ ፊንላንድ፣ ነርወይን፣ ኢጣልያ፣ ፈረንሳን ጀርመንን ዝርከብአን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ገሊኤን ድሮ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተመሳሳሊ ዝርርብ ከካይዳ እንከለዋ እተን ዝተረፋ’ውን ርክብ ንምክያድ መደብ ከምዘለወን ይጥቐስ።

ሓያሎ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልምዓትን ትምህርትን ዝውዕል ሓገዝ ምብርካት ንዋሕዚ ስደተኛታት መንእሰያቱ ክቕንሶ ይክእል’ዩ ዝብል ገምጋም እኳ እንተለወን፣ እቲ ኣውራ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከቢድ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝመሓየሸሉ ኣገባብ ክዘራረባ’ውን ከምዝደልያ’ዩ ዝንገር።

====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0