ኤርትራውያን ኣብ የመን ንክልተ ወርሒ ኣብ ጎደና

ኤርትራውያን ኣብ የመን ንክልተ ወርሒ ኣብ ጎደና

Radio Erena: 17 July, 2014

Eri In Yem

ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ብዘይዝኾነ መጽለሊ ኣብ የመን ኣብ ጎደናታት ሰንዓ ኣብ ግዳም ዝነብሩ ዘለዉ ኣስታት 200 ኤርትራውያን፣ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ጉዳዮም ዝርኢ ኣካል ብዘይምህላዉ ብምረት ገሊጾም።

እቶም ካብ ዝነበርሉ ግዝያዊ መንበሪ ድሕሪ ምውጽኦም ካብ 29 ሚያዝያ ኣትሒዞም፣ ኣብ ከተማ ሰንዓ ጎደና ጣይዝ ብዘይዝኾነ መጽለሊ ዝነብሩ ዘለዉ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያን፣ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራትን ሃገራት (UNHCR)ን ናብ ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ዘቕረብዎ ጻውዒታት’ውን ዝኾነ ግብራዊ መልሲ ከምዘይተረኽቦ የመልክቱ።

 

እቶም ኤርትራውያን ናብ የመን ድሕሪ ምእታዎም UNHCR ንሰለስተ ወርሒ ግዝያዊ መጽለሊ ኣዳልዩሎም እኳ እንተነበረ፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ግና ብዘይዝኾነ ቅድመ ሓበሬታ ናብ ጎደናታት ከምዝደርበዮም ይወቕሱ።

ንሳቶም ብፍላይ ኣብዚ ናይ ሮሞዳን ናይ ጾም እዋን፣ ካብ ውልቀሰባትን ግዱሳት ገበርቲ ሰናይን ብዝረኸብዎ መግብን ማይን እናተመገቡ’ዮም፣ ኣብ ከተማ ሰንዓ ኣብ ጎደና ጣይዝ ኣብ ግዳም ክሻታት ብምዝርጋሕ ዝሓድሩ ዘለዉ።

ጉዳዮም ህጹጽ ፍታሕ ክረክብ ድማ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዝምልከቶም ትካላት ስደተኛታት ድምጾም ከስምዑ ተማሕጺኖም።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0