ኤርትራውያን ንመበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ክልተ ደምበ ተመቓቒሎም ይጽንብሉ

ኤርትራውያን ንመበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ክልተ ደምበ ተመቓቒሎም ይጽንብሉ

Radio Erena : 22 May 2015

224

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፣ ንመበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብዝተፈላለየ መደባት ይጽምብል ኣሎ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ከም ናይ ወትሩ ንመዓልቲ ናጽነት በብኸባቢኡ ዳሳት ብምትካል ዝተፈላለየ መደባት ሰሪዑ ክጽንብላ እንከሎ፣ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ግና ኣብ ክልተ ደምበታት ተገማሚዕም’ዮም ንናጽነት ኤርትራ ዘኽብሩ ዘለዉ።

እቶም ሓደ ወገን ደገፍቲ መንግስቲ ኮይኖም፣ ብኤምባሲታት ኣብ ዝተወደበ ናይ ጓይላን ሳዕስዒትን መደባት ከዳልዉ እንከለዉ፣ ደምበ ተቓውሞ ድማ እዋኑ ብሳዕስዒትን ጓይላን ጥራይ ዝሕለፍ ዘይኮነ፣ ጠንቒ ስደትን ብርሰት መንእሰያትን ኮይኑ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብምእላይ፣ ምሉእ ናጽነትን ሓርነትን ንምስትምቓር ክንሰርሕ ኣሎና ክብሉ ይስምዑ።

 

እቶም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ናይ ነዊሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናጻ፣ ሉኣላዊትን መሰልን ክብርን ዜጋታት ድማ ብማዕረ ዝሕለወላን ሃገር ንምርግጋጽ እኳ እንተነበረ፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተራእየ ክውንነት ግና በንጻሩ ምዃኑ ብምዝኽኻር፣ ተሪፉ ዘሎ ዕማማት ንምምላእ’ውን ቃልሶም ክቕጽሉ ምዃኖም የቃልሑ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0