ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዙር ፈረንሳ ድሕሪ ዘርኣይዎ ብቕዓት፣ ቆላሕታ ኣህጉራውያን ክለባት ናብ ኤርትራውያን እናዓበየ መጺኡ

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዙር ፈረንሳ ድሕሪ ዘርኣይዎ ብቕዓት፣ ቆላሕታ ኣህጉራውያን ክለባት ናብ ኤርትራውያን እናዓበየ መጺኡ

Radio Erena : 03 August 2015

Aman and Elias

ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2015 ድሕሪ ዘርኣይዎ ብቕዓት፣ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ጋንታታት ጠመተን ናብ ኤርትራ ይገብራ ምህላወን ብቋንቋ ፈረንሳ እትሕተም ጋዜጣ ለ’ኢኵብ ጠቒሳ።

ኣብ 2016 ናብ ደረጃ ኮንቲነንታል እትሰጋገር ቤልጁማዊት ክለብ’ውን፣ ንኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣማኑኤል ገብረግዝኣብሔርን ኤልያስ ኣፈወርቂን ጸንቢራቶም ምህላዋ መርበባት ሓበሬታ ስፖርት ገሊጸን።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ወዲ 20 ዓመት ኣማኑኤልን 22 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤልያስን ኣብ ዝተፈላለየ ዞባውን ኣህጉራውን ቅድድማት ዘዕግብ ብቕዓት ዘመዝገቡ ምዃኑ ሰነዳት ቅድድም ብሽክለታ የረድእ።

 

ንናትናኤል ብርሃነ ኣቐዲማ ሓቝፋቶ ዝነበረት ናይ ፈረንሳ ክለብ ዩሮፕካር፣ ሕጂ’ውን ደጊማ ናብ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ተቛምት ምህላዋ እቲ ጋዜጣ ኣመልኪታ።

እንተኾነ ዩሮፕካር ብሰንኪ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ናይ ምወላ ጸገም፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ብደረጃ’ዚ ዓበይቲ ቅድድማት ምቕጻላ የጠራጥር’ዩ።

ንኤምቲኤን ኩቤካ ዝምውል ዝነበረ ኩባንያ’ውን ነታ ጋንታ ካብ ምምዋል ከቛርጽ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፣ እታ ጋንታ ከም ዳይመንሽን ዳታ ዝኣመሰሉ ዝምውሉዋ ኩባንያታት ምርካባ ዝተረጋገጸ’ዩ ዝመስል።

ኣብ ታሪኽ ናይ 102 ዓመት ዙር ፈረንሳ ንመጀመርያ እዋኖም ዝተሳተፉ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን፣ ኣብ ቦኽሪ ስታፌኦም ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንኣፍሪቃ ዘኹርዕ ውጽኢት ምምዝጋቦም፣ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ፣ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራን ወናኒ ብጫ ማልያ ዙር ፈረንሳ 2015 ዝኾነ እንግሊዛዊ ክሪስቶፈር ፍሩምን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ወገናት ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽታት ኣመሓላሊፎም’ዮም።

እዞም ክልተ ተቐዳደምቲ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምምላሶም’ውን ብቀዳም 1 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ድሙቕ ኣቐባብላ ተጌሩሎም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ክለብ ቅድድም ብሽክለታ ኤም.ቲ.ኤን. ኲቤካ፡ ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሩ ክሳብ 7 ነሓሰ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝሰላሰል፡ ዙር ኡታህ፡ ብሻምፕዮን ኤርትራ 2015 ናትናኤል ብርሃነ ተመሪሓ ክትወዳደር እያ።

ዙር ኡታህ፡ ናይ ሆርስ ካቴጎሪ መዐቐኒ ዘለዎ ኮይኑ፡ 7 መድረኻት ዝሓቖፈ 1,100 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ክሽፍን እዩ።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0