ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል፣ ኤምባሲ ኤርትራ ኣንጻሮም ንዝውድቦ ዘሎ ጎነጽ ዝኹንን ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል፣ ኤምባሲ ኤርትራ ኣንጻሮም ንዝውድቦ ዘሎ ጎነጽ ዝኹንን ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 29 June 2018

Isreal Eritreans demo

ኣስታት 200 ዝኾኑ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል፣ ኤምባሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻሮም ንዝውድቦ ዘሎ ጎነጽ ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ቀጽሪ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣካይዶም።

እቶም ኤርትራውያን፣ ኣብቲ ብሰኑይ 25 ሰነ ኣብ ከተማ ዮርሳሌም ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ንዘለዎምን ብግሁድ ንዘስምዑን ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ደገፍቲ መንግስቲ ጎነጽ ዝተሓወሶ መጥቃዕቲ ከውርድሎም ብኤምባሲ ኤርትራ ከምዝተነግሮም ብምኹናን፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ክከታተሎ ተላብዮም።

ኣብ መጀመርያ ዕለት ናይዚ ወርሒ’ዚ፣ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስትን ተቓወምትን ንሓድሕዶም ብዘካየድዎ ግጭት ሓደ ፖሊስ ዝርከቦም ሓያሎ ሰባት ከምዝቖሰሉ ይዝከር።

ፖሊስ ከተማ ቴልኣቪቭ ድሕሪ’ቲ ብምኽንያት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ ግጭት፣ ንኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ሃገርን ወከልቲ ማሕበረ ሰብ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባን በብወገኖም ብምጽዋዕ ከምዘዘራረቦም ይዝከር።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0